ፖለቲካ
CPJ ብኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ 25 ዓመት ብሓይሊ ንዝሰወሮም ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣኽቢሩ
ድሕሪ 25 ዓመት ካብቲ ኣብ መስከረም 2001 ዝተፈጸመ ምዕጻው ናጻ ፕረስ፡ 16 ጋዜጠኛታት ግዳያት ብሓይሊ ምስዋር ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ። ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ ትካላት፡ ቁጠባን መጻኢ ሃገርን ዘካይዶ ዘሎ ሰፊሕ ዕንወት’ውን ይቅጽል ኣሎ።
ጸሓፊ ዜና

ኮሚቴ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (CPJ) ኣብ 2026 ሽልማት ናጽነት ፕረስ ዓለም ን“16 ኤርትራውያን” ሸሊሙ። እዚ ሽልማት ነቶም ካብ መስከረም 2001 ጀሚሮም ብዘይ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ማእሰርቲ ተሰዊሮም ዘለዉ 16 ጋዜጠኛታት ዝወሃብ እዩ። ድሕሪ 25 ዓመት፡ ዘለዉዎ ቦታን ዝበጽሖም ኩነታትን ዋላ ሓደ ዝፈልጥ የለን። እዚ ካብ’ቲ ኣዝዮ ዘስካሕክን፣ ናይ ፈራሃት ጭካነ ተግባራት ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ናጻ ጋዜጠኝነት ዝጀመሮ መጥቃዕቲ፡ ናብ ናይ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ዝተናወሐ ብሓይሊ ምስዋር፡ ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ እሱራትን ተራ ህዝብን፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ክብረትን ሰብ ብስርዓት ምንፋግን ቀይሮዎ።
እቲ ማእሰርቲ ኣካል ናይቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ውሽጣዊ ተቓውሞ ንምጥፋእን ፍጹም ውልቃዊ ስልጣኑ ንምጥንኻርን ዝኣንገዶ ወፍሪ እዩ ነይሩ። ኣብ መስከረም 2001፡ እዚ ውልቀ-መላኺ፣ ኣንጻር ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ብG-15 ተባሂሎም ዝፍለጡ፡ ናጻ ጋዜጠኛታትን ለባማት ዓበይቲ ዓድን ናይ ምስዋር ስጉምቲ ወሲዱ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ቅዋማዊ ምሕደራን ፖለቲካዊ ለውጥን ዝጠለቡ እዮም። ናይ ኩሎም ሓባራዊ ገበኖም፡ ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ምብዳህን ተሓታትነት ምጥላብን ጥራይ እዩ ነይሩ።
እቲ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ግፍዒ ግና፣ ካብቲ መጀመርታ ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ። ንልዕሊ 25 ዓመታት፡ እዞም ሰባት፣ ፍርዲ ተነፊግዎም፡ ምብጻሕ ስድራቤቶም ተነፊግዎም፣ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሰዊርዎም። ብኣዝዩ ኢ-ሰብኣዊ ኩነታት ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም፡ እኹል ሕክምናዊ ክንክን እውን ተነፊጎም። ተሓታትነት የለን፡ መብርሂ የለን፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካኣ፣ ነዚ ስቓይ ንምቁራጽ ድሌት ከም ዘለዎ ዝሕብር ምልክት እውን የለን።
እቲ ናይ ፈራሃት ጭካነ ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እስከ ንርአ፦ ንርብዒ ዘመን፡ ወለዲ፡ መጻምድቲ፡ ደቅን ኣሕዋትን እኳ እንተኾነ እሱራቶም ክርእዩ ዕድል ኣይተዋህቦምን። እቲ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ጨካናት ወታሃደራዊ ምልኪ ዝነበረ ደርግ እኳ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ስድራቤታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበሩ ኣዝማዶም፡ እቶም ገሊኦም ድሒሮም ብሞት ዝተቐጽዑ ፖለቲካዊ እሱራት እውን ከይተረፉ፡ ክበጽሕዎም ይፈቅድ ነይሩ። መግዛእቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግና፡ ዋላ እዚ መሰረታዊ ሰብኣዊ ርክብ ተነፊጉና።
እዚ ተራ ፖለቲካዊ ማእሰርቲ ኣይኮነን። ደቂ ሰባት ብዕላማ ምስዋር፡ ተስፋን ክብረትን ስድራቤቶም ምጥፋእ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ዕጫ ኣዝማዶም ክፈልጡ ናይ ዘለዎም መሰል ምንፋግ እዩ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ንቤት ማእሰርቲ፣ ሰባት ብዘይ ፍርዲ፡ ብዘይ ምስክርን ብዘይ ተሓታትነትን ዝስውረሉ ጸልማት ቦታ እዩ ገይርዎ።
እቲ ኣብ ልዕሊ’ዞም ጋዜጠኛታት ዝተፈጸመ ምእሰርትን ምስዋርን፣ ምስ’ቲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሃገርና ዘካይዶ ዘሎ ሰፊሕ ዕንወት ክርአ ኣለዎ። እዚ ከኣ፡ ብዘይ ፍርዳዊ መስርሕ ዝፍጸም ቅትለት፡ ብሓይሊ ምስዋርን ፖለቲካዊ ምስዳድን፤ ብሰንኪ ሰፊሕ ማእሰርቲ፡ ተደጋጋሚ ኲናትን ምህዳም ሓደ ምሉእ ወለዶን ዝተፈጸመ ስነ-ህዝባዊ ዕንወት፤ ቁጠባዊ ዕንወት፡ ኣዝዩ ዝኸፍአ ድኽነትን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምንፋግን፤ ሃገራዊ ትካላት ምፍራስ፤ ኣብ ስም ኣገልግሎት ሃገር ንወለዶታት መንእሰያት ኣብ ባርነት ምእታው፤ ከምኡውን ሃገራዊ ሰራዊት ብስርዓት ምድኻምን ምፍራስን የጠቓልል። እዚ ተራ ዕንወት ናጽነት ፕረስ ኣይኮነን። ዕንወት ሓንቲ ሃገርን መሰረታት ህላወኣን እዩ።
እቶም ብ2001 ዝተኣስሩ ሰባት ጋዜጠኛታት ጥራይ ኣይነበሩን። ምስ’ኦም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ዓበይቲ ዓዲ፣ ከምኡውን ካልኦት ቅዋማዊ ምሕደራ፡ ልዕልና ሕጊን ፖለቲካዊ ተሓታትነትን ክህልው ዝኣምኑ ተራ ዜጋታትን እውን ተኣሲሮም፣ ተሰዊሮም እዮም።
ስለዚ፡ እቲ ሽልማት CPJ ን16 ጋዜጠኛታት ዝግበር ኣፍልጦ ጥራይ ኣይኮነን። መዘኻኸሪ ሃገራዊ ሓዘን እዩ። ብሓይሊ ምስዋር፡ ገደብ ዘይብሉ ማእሰርትን መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብረት ምንፋግን መሳርሒ ምሕደራ ዝገበረ ፖለቲካዊ ስርዓት ናይ ሓደ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝኹንን ክሲ እዩ።
ስድራቤታት እቶም 16 ጋዜጠኛታት፡ ከምኡውን እቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካልኦት ዝተኣስሩ ወይ ብሓይሊ ዝተሰወሩ ኤርትራውያን፡ ዕጫ ኣዝማዶም ክፈልጡ መሰል ኣለዎም። እቶም ገና ብህይወት ዘለዉ ብቕጽበትን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ክፍትሑ ኣለዎም።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንናጽነትን ሰብኣዊ ክብረትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንልኡላውነት፡ ቀጻሊ ህላወን ሃገርናን ህዝብናን እውን ስግኣትን ሓደጋን እዩ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ ስልጣን ምውራድን ውልቀ-ምልኪ ምእላይን፡ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ንምቁራጽን መጻኢ ሃገር ንምውሓስን ቀዳምነት እዩ።



