ሕብረተሰብ
ዕንወት ባህላዊ ትካላት ትግርኛ ብሰላሕታ!
ባህሊ ማለት መልክዕ፡ ጠባይ፡ ልምድን ድሌትን ዝትንባሃሉ ዝዓሞቐ ስምዒት እዩ። ደቂ ሰባት ሓጎሶምን ሓዘኖምን ክገልጹ የለዓዕሎም። ሓደ ህዝቢ ካብቲ ካልእ ህዝቢ ብባህሊ እዩ ዝፍለ።
ይሕሸሉ ገብረምካአል

ባህሊ ማለት መልክዕ፡ ጠባይ፡ ልምድን ድሌትን ዝትንባሃሉ ዝዓሞቐ ስምዒት እዩ። ደቂ ሰባት ሓጎሶምን ሓዘኖምን ክገልጹ የለዓዕሎም። ሓደ ህዝቢ ካብቲ ካልእ ህዝቢ ብባህሊ ይፍለ እዩ። ባህሊ ድማ ካብ ፊደል፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖትን ታሪኽን ይፍልፍል። ናይ ሓደ ብሔር ትኽክለኛ ምስሊ ኣብ ባህሉ እዩ ዝንጸባረቕ። ዕለታዊ ምንቅስቓሳትና ኣብ ምውሳንን ስምዒት ኣብ ምፍጣርን ናይ ባህሊ ተራ ዓቢ እዩ። ኣብዚ ዘበን ሳላ ቴክኖሎጂ ናይቲ ሓደ ባህሊ ናብቲ ሓደ ህዝቢ ብፍጥነት ክሰርጽ ወይ ክርዕም ንዕዘብ ኣሎና።
ከምቲ "ታሪኽ ናይ ሓያላት እዩ" ዝበሃል፡ ቴክኖሎጂ ዝወነና ወይ ዝማዕበላ ሃገራት ኤሮጳን ኣሜሪካን ባህለን ብፍጥነት የስፋሕፍሓ ኣለዋ። ንኣብነት ንጸወታ ኩዕሶ ናይ እንግሊዝን ኤሮጳን ብዙሓት መናእሰይ ይከታተልዎ። ብኣንጻሩ፡ ከም ቃርሳ፡ ሕልኮ፡ ገበጣ፡ ሻኲን ካልኦትን ባህላዊ ጸወታታትና እናተረስዑ ይኸዱ ኣለዉ። ብኻልእ መዳይ ማሕበራዊ ምትእስሳርናን ንኢኮኖሚናን ዘደልድሉ ከም እድር፡ ወፈራ፡ ባይቶን ጎይላን ዝበሉ መግለጺ ባህልታትና መንፈሶም እናተለወጡን ኣብ ምጥፋእን ይርከቡ። እዚ ውዲት ባህሊ ትግርኛ ንመንነትና ዘህስስ፡ ንሰረት እምነትካ ዘዕኑን ሓደገኛ ተግባር እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ምዕቃብ ሃገራዊ ባህሊ ራእይ ዘለወን ትካላት ምህናጽ ኣገዳሲ እዩ። ኣንድነታዊ ኢሳያስ ግን እዚ ክዉን ከይከውን ንባህላዊ ትካላት ትግርኛ ከምዘይነበራ ኣፍሪስወን ይርከብ።
ዕንወት ባህላዊ ትካላት ትግርኛ፦
ህዝቢ ትግርኛ ባህሉ፡ ቋንቋኡን ታሪኹን እናዓቀበ ንዘመናት ኣብ ርስቱ ዝነበረ ወናኒ ስልጣነን ወደባትን ህዝቢ እዩ። ትግርኛ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ንፊደላት ምሂዙ፡ ንቐለም በጽቢጹ ብራናታት ጽሒፉ፡ ንጽላት ዓቂቡ፡ ንታቦት ቀሪጹ፡ ኣኻውሕ ፈልፊሉ፡ ትግርኛ ንያሬዳዊ ዜማ ምሂዙ፡ ኣብያተ መቕደሳት ሃኒጹን እዩ። ንኣብነት ኣኹሱም ጽዮንን ደብረቢዘንን መንፈሳውያንን ቅዱሳትን ስፍራታት ትግርኛ እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ትግርኛ ከም ባይቶ፡ እድርን ወፈራን ዝበሉ ናይ ፍትሕን ናይ ቁጠባን ትካላት ነይሮምዎ። ካልእ ፍሉይ ስምዒት ዝፈጥር ስርዓት ዘለዎን ንሓቂ ዝገልጸሉን ባህላዊ ጸወታ ጎይላ ኣለዎ። እዚ ባህሊ ትግርኛ ካብ ስልጣነን ካብ ታቦትን ዝተቐድሐን ኣብዛ ቅድስቲ መሬት ኣግኣዝያን ወደባት ምዃኑ ዝያዳ ዘብርሁን ህያዋት ምስክራት እዮም። ኦሪታዊ እምነትና ድማ ዓንዲ ባህላዊ ትካላትና እዩ።
እምነት፡ ሓደ ህዝቢ ምስ ኣምላኹ ዘለዎ ቃልኪዳን ንትእዛዛቱ ብምኽባርን ብኣገልግሎትን ዝገልጸሉ ልዑል ትካል እዩ። ኣብ ምዕቃብ ሃገራዊ ሓበራዊ መንነት፡ ስነ-ምግባር ዘለዎ ወለዶ ብምህናጽን ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ምስፋንን ዘይትካእ ግደ ይጻወት። ንኣብነት ኣብ ህዝቢ ትግርኛ ነቶም ዓሰርተ ትእዛዛት ኦሪት ምኽባር ግዴታ እዩ። በዚ መሰረት እምነትካ ምልዋጥ፡ ንወለድካ ዘይምምእዛዝ፡ ምስራቕ፡ ምሕሳውን ምዝማውን ነውሪ እዩ። ኣከዳድናና፡ ኣመጋግባናን ኣከባብራ በዓላትናን ካብ ሕገ ሙሴ ዝተቐረጹ እዮም። ትግርኛ ንታቦት ዓዱ ልዑል ስምዒት ኣለዎ። ኣብ ህዝቢ ትግርኛ ካህን መምህርን ክቡርን እዩ። ትግርኛ ንበዓላት ኦሪት ፋሲካን ዳሜራ ኣመና ልዑል ዝኾነ ክብርን ስምዒትን ኣለዎ። ነቶም በዓላት ከኽብር ከሎ ናይ ብሓቂ ሓጎስ ይስመዖ። ትግርኛ ንኦሪታዊ እምነቱ ዘለዎ ስምዒት፡ ኣብ ኣብያተ መቕደሳቱን ኣብ ቤቱን ብሕብረትን ብደስታን ይገልጽ። ስለዚ ኣብያተ መቕደሳትና መንነትና እንዕቅበለንን ንተስፋታትና እነሐድሰለንን ዓንዲ ሃገራውነትና እየን። ንዘበናት ናይ ብራና መጻሕፍትናን ግእዝናን ዓቂበን ጸኒሐን። ይኹን እምበር፡ ሎሚ ብሰሪ ኣንድነታዊ ኢሳያስ ኣብያተ መቕደሳትና ይዓንዋ ኣለዋ።
ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ሃይማኖት የለን። ነቲ ርትዓውን ፍትሓውን ሃይማኖትና ዝዕቅብ መንግስቲ ስለዘየለ፡ ህንጸት ሓደሽቲ ኣብያተ መቕደሳት የልቦን። ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃይማኖት ወይ ድማ ዩኒቨርሲቲታትን ኮሌጃትን የለዋን። በዚ ምኽንያት ካህናት እኹል መንፈሳውን ሳይንሳውን ትምህርቲ ኣይቐስሙን። ብሰንኪ እዚ ካህናት ግቡእ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ኣይህቡን። ናብ ስደት ዝኸዱ ካህናት እውን ኣለዉ። ዋሕዲ ካህናት ዘለወን ዓድታት ኣለዋ። በዚ እንተቐጺሉ ቐጻሊ ዝዕጸዋ ኣብያተ እምነታት ክህልዋ እየን። ካብ ኣብያተ መቕደሳትና ቀጺለን ባህልና እንዕቅበለን ትካላት፡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ወይ ድማ ዩኒቨርሲቲታት እየን።
ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፡ ኣብ ባህሊ ጽንዓትን ምርምርን ብምክያድ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንክሰጋገሩ ዓቢ ግደ ኣለወን። ኣብ ኣዶሊስ፡ ቆሓይቶ፡ መጠራን ዱባሩዋን ዘለዉ ቅርስታት ብስነ-ኵዕቲ ክምርምራ ይኽእላ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ባህላዊ ምሕደራ፡ ባህላዊ ጸወታታትን ያታታትን ጽንዓትን ምርምርን ብምክያድ ታሪኻዊ መሰረቶምን ኣድላይነቶምን የነጽራን ንቐጻላይ ትውልዲ ግቡእ ግንዛበ ኣብ ባህሊ የጨብጣን። ይኹን እምበር ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብኢሳያስ ካብ ትዕጾ ጸኒሓ እያ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዩኒቨርሲቲ የለን። ንስልጣነና ብስነ-ኵዕቲ ዝምርምርን ንባህልና ዘጽንዕን ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ምዕናው፡ ምፍራስ፡ ንሰረት እምነት ሃገር ዓቢ ዕንወት እዩ። ካልእ፡ ኩነታት ቤተ-ንባብ ኣብ ኤርትራ ንርአ፦
ቤተ-ንባብ፡ ንባህሊ ዝዕቅባ፡ ፍልጠት ዝቕሰመለንን ሰላማውን ርጉዕን ወለዶ ዝፈርየለንን ወሰንቲ ትካላት እየን። ኣብ ኣስመራ፡ ብሪትሽ ካውንስል፡ ህዝባዊ ቤተ-ንባብ ዝበሃላን ካልኦትን ኣብ ምጥፋሽ ዝርከባ ቤተ-ንባባት ነይረን። ሎሚ ግና ገለገሊአን ተዓጽየን ገለገሊአን ግቡእ ኣገልግሎት ኣይህባን። ዘየንብብ ህዝቢ ፈራሕ፡ ዘይርጉዕን ንድሕረትን ድንቑርናን ተቓላዒ ማሕበረሰብ እዩ ዝኸውን።
ብመዳይ ትካላት ኪነ-ጥበብ፡ ቐደም ብርከት ዝበሉ ናይ ትያትር ድራማታትን ፊልምታትን ይርኣዩ ነይሮም። ኣብቲ ግዜቲ ሰባት ትያትር ክርእዩ ይስለፉ ነበሩ። ሎሚ ኩለን ሲኒማታት ተዓጽየን እየን። ኣብ መዓልቲ ነጻነት፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታትን ባሕቲ መስከረምን ጥራሕ ብሳንሱር ወይ ብቕድመ-ምርመራ ዝሓለፉ ውጽኢታት ስነ-ጥበብ ይርኣዩለን። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ዝጥርነፋ ናይ ሕድሕድ ግንባራት ጉጅለ ባህልታት ወይ ስርሒታት ኣለዋ። እቶም ውሩያት ገጠምትን ስነ-ጥበበኛታትን ትግርኛ ኣብዘን ናይ ግንባራት ጉጅለ ባህሊ ተጠርኒፎም ይሰርሑ። እኹል ክብርን መሃያን ኣይወሃቦምን። ንስራሕ ክድለዩ እንከለዉ ናብ ግንባራት ይጽወዑ። ንስርሖም ቅድመ-ምርመራ ይግበሮ። ብሰሪ ኣንድነታዊ ኢሳያስ ስነ-ጥበበኛታት ትግርኛ ደስኪሎም እዮም። ከም በዓል ኣወል ስዒድ ዝበሉ ጽግዕተኛታት ናይቲ ኣንድነታዊ ኢሳያስ ግና ከም ድላዮም ይኾኑ ኣለዉ። ንስነ-ጥበብ ትግርኛ ምድስካል ንባህሊ ትግርኛ ምቕታል እዩ ዝብል ናይ ነዊሕ ውዲቶም እናተግበሩ ድማ ይርከቡ።
እቶም ከም በዓል ተወልደ ረዳ ("ሽገይ ሃቡኒ" ብዝብል ደርፉ)፡ የማነ ባርያ ("ነጻነት" ብዝብል ደርፉ)፡ በረኸት መንግስተኣብ፡ ተበርህ ተስፋሁነይ... ወዘተ ዝበሉ ናይ ቀደም ስነ-ጥበበኛታት ትግርኛ ንቋንቋኦም፡ ንመሬቶም፡ ንታሪኾምን ንተስፋታትናን ሓቅን ቅንዕናን ብዘለዎም ግጥምታትን ብጥዑም ህርመትን ይገልጹ ነይሮም። ናይ ብሓቂ ድማ ስምዒት ይፈጥሩልካን ንወነኻ ይቕስቅሱ ነይሮም። እቶም ናይ ሎሚ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለዉ ስነ-ጥበበኛታት ግና ኩሎም ናይ ኣንድነታዊ ኢሳያስ ባራዩ እዮም። ሃገር ኣንድነታዊ ኢሳያስ በይኑ ወኒንዋን ብሒትዋ እናሃለወ፡ "ሓድነት ኣሎና" ኢሎም ይደርፉ። ኩሎም ስነ-ጥበበኛታት ዕድመ ስልጣን ኣንድነታዊ ኢሳያስ ንምንዋሕን ነቲ ህዝቢ ንባርነት ክለማመድ ኣብ ምምራዝን ዝነጥፋን ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝጥርነፋን እዮም። ብሰንኪ ኣብ ሃገራዊ ባህሊ ራኢ ዘይምህላው፡ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ምትእስሳር ትግርኛ ዘደልድሉ፡ ከም ባይቶ፡ እድርን ወፈራን ዝበሉ ወሰንቲ ባህላዊ ውዳበታትን ይዓንዉ ኣለዉ።
ጎይላ ወይ ደርፍታት ትግርኛ ኣብ ግዜ ሓጎስና ብሓባር ዝጽወቱን ንቅንዕና፡ ንሓቅን ንወንን ዝገልጹ ነይሮም። ኣብ ጎይላ ዘጣቕዑን ዝደርፋን፡ ዝለሃዩ ከምኡ እውን ዓበይቲ ዓድን ካህናትን ኣለዉ። ኣቦ ጎይላ ድማ ኣብ ማእከል ኣትዩ ንተጻወቲ ሞራል ይህብን ስነ-ስርዓት የትሕዝን። ሎሚ ግና፡ ትሕዝቶ ግጥሚ፡ ስነ-ስርዓት ትልሂትን ጸወታን ይቕየር ኣሎ። ኣብ ቅነ መስቀል ዝነበረ ናይ ኣዋልድን ኣባጽሕን ጓይላን ማርያን ዳርጋ የለን። ካብቶም ረብሓታት ባህላዊ ጸወታታትና ሓደ ንሓሳብካ ብነጻነት ምግላጽ እዩ። ኣዋልድ ትግርኛ ኣብ ቅነ ማርያ ብግጥምታት ኣቢለን ጭውነት ብዘለዎም ቃላት ድላየን ይደርፋ ነይረን። ሎሚ ግና ብሰንኪ ኣንድነታዊ ጸረ-ትግርኛ ኢሳያስ እቶም መግለጺ መንነትና ዝነበሩን ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ኣትሒዝና ዘማዕበልናዮምን ባህልታትና ኩሎም ይጠፍኡ ኣለዉ።
ብሓፈሻ፡ እቶም ንባዕዳዊ ወራራት ፐርሽያ፡ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ኣምሓራን ክንምክትን ንጀሃዳውያን ኣስላም ክንከላኸልን ዘኽኣሉና ባህልታትና ብሰላሕታ ይዓንዉ ኣለዉ። እምበኣርከስ፡ ቀንዲ ዕላማ ኣንድነታዊ ኢሳያስ፡ ንባህላዊ ትካላት ትግርኛ ብምዕናው ንትግርኛ ምጽናት እዩ። ናይ ባዕዲ ወረርቲ ንመሬትና ደልዮም ወሪሮሙና፤ ኢሳያስ ግና ነብሰ-ዋንነትና እውን ክምንጥለና ይደሊ። ነብሰ-ዋንነትና እነረጋግጸሉ ሓደ ዝዓሞቐ ስምዒት ባህልና እዩ። ኢሳያስ ግና ንባህላዊ ትካላትና ኣዕንዩ፡ ካብ ርስቲ ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን የጽንተና ኣሎ። እቲ ዝኸፍአ ጽንተት፡ ባህላውን ሰላሕታውን ጽንተት እዩ።
መጠቓለሊ፦
ባህሊ ሓበራዊ ስምዒት ኣብ ምፍጣርን ኩነታት ዕለታዊ ምንቅስቓስና ኣብ ምውሳንን ሙሉእ ስልጣን ኣለዎ። ኣብ ባህሊ ትኽክለኛ ምስሊ ሃገር እዩ ዝንጸባረቕ። ሓደ ብሔር ካብቲ ካልእ ብሔር ወይ ድማ ሓንቲ ሃገር ካብታ ካልእ ሃገር ትፍለየሉ ረቋሒ ባህሊ እዩ። ሎሚ ብምኽንያት ናይ ቁጠባን ናይ ቴክኖሎጅን ኣፈላላይ፡ ናይ ገለ ሃገራት ባህሊ ንገለ ሃገራት ብኣሉታ ወይ ብኣውንታ ክጸሉ ንዕዘብ ኣሎና። እዚ ጽልዋ ድማ ንሃገራዊ መንነትካ ብምዕናው መን ምዃንካ የረስዐካ እዩ። መንነትካ ረሲዕካስ ዋላ እውን እንተሃብተምካ፡ ፈጺሙ ዕግበት ወይ መቐረት የብሉን፤ እኳ ደኣስ እቲ እትበልዖ ከም ዕረ፡ እቲ ትሰትዮ ከም ሓሞት እዩ ዝጥዕመካ። ምኽንያቱ መንነትካ ምርሳዕ ጊላነት እዩ። ባርነት ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ይፈጥር እዩ። ምኽንያቱ ወድሰብ ብተፈጥሮኡ ብባህሉ፡ ብእምነቱ፡ ብዛንታኡን ብታሪኹን ክንየት ይደልይ እዩ። ንስነ-ኣእምሮ ውሉዱ እውን በቲ ባህሉ ክቐርጾ ላሕ ይብል። ምኽንያቱ በቲ ዝዓበየሉ ባህሉ ርእሰ-ተኣማንነት ስለዘለዎን ንዝሓለፋ ወለዱ እሙን ክኸውን ስለዝደልን እዩ።
ብፍላይ ባህሊ ትግርኛ እሙናት፡ በላሕቲ፡ ጀጋኑን ነጻነት ዘለዎምን ወለዶታት እናፈጠረ ዝመጸ ምዕቡል ባህሊ እዩ። ኣንድነታዊ ኢሳያስ ግና ከም ኣብያተ መቕደሳት፡ ባይቶ፡ ወፈራ፡ እድር፡ ዩኒቨርሲቲ፡ ቤተ-ንባብን ሲኒማ ቤትን ዝበሉ ባህላውን ሃይማኖታውን ትካላትና ኣዕንይዎም። ኣንድነታዊ ኢሳያስ ንባህላዊ ትካላትና ብምዕናዉ፡ ንነጻነትናን ኢኮኖሚናን ኣዕንይዎ ኣሎ። ነቲ ህዝቢ ናብ ሕሱም ባርነት ኣእትዩ፡ ነታ ሃገር ናይ ብሕቱ ንብረት ገይርዋ ይርከብ። ስለዚ ትግርኛ ናይ ቁጠባ ትካላት ሃኒጹ፡ ንኽህብትምን ክብሩ ንኸምልስን፡ ንባህላዊ ትካላቱ መሊሱ ክዕቕብ ኣለዎ። እዚ ንቕሓት ፈጢሩ ዘሎ መልእ ብሔረ ትግርኛ ባህላውን ቁጠባውን ትንሳኤኡ ዝብሰረሉ ርሑቕ ኣይኮንን።



