ሕብረተሰብ
ህዝቢ ትግርኛ(ኣግኣዝያን)
ሃገረ ትግርኛ ወይ ብሔረ ትግርኛ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብዝሓ፣ ኣብ ትግራይ ኢትዮጲያ ካኣ ውሑድ ኮይኑ፣ ኣብ'ዘን ብመግዛእቲ ዘተሰናዓ ሃገራት ተፈላልዩ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ እዩ።
ፍጹም ኪዳነ

ህዝቢ ትግርኛ፣ ኣብ'ዚ እዋን እዚ፣ ብመግዛእታዊ ዶባት፣ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝተመቓቐለ ሓደ ብሔር ወይ ሃገር ኮይኑ፣ እቲ ካብ ጥልያን ጀሚሩ፣ ንነዊሕ እዋን ክመጽእ ዝጸንሕ፣ ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን ፕሮጀክት ግዳይ ምፍልላይ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።
*ብቐንዱ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝነብሩ ተዛረብቲ ትግርኛ፣ ትብል እንተኾንካ፣ ዝኾነ ይኹን ጻዕሪ ዘድልዮ ኣይኮንነን፣ ምክንያቱ፣ እተን ኣብ ፍልልዩ ዝተተከላ ኤርትራውነትን ኢትዮጵያውነትን ዝብሃላ ናይ ጥፍኣት ትካላት ኣብቂዐን እየን።
ዋላ'ካ ብልሚዲ፣ ብተዛረብቲ ትግርኛ እንዳተባህለ ዳኣ ይገለጽ እምበር፣ ቋንቋውን ቀንዲ ሕመረት ናይ'ት ናይ ሃገረ/ብሔረ ትግርኛ መግለጺ ይኹን እምበር፣ ህዝቢ ትግርኛ፣ ክንዮ ቋንቋ፣ ብታሪክ፣ ኦሪታዊ ክብርታት፣ ባህልን ልምድን፣ ናይ ገዛእ ርእሱ መሬትን ዝተኣሳሰረ፣ ሓደ ብሄር እዩ።
*ኤርትራውነት ዝብሃል ሓድጊ መግዛእቲ፣ መራሕሩ፣ ነንሕድሕዶም ተበላሊዖም፣ ኢሳያስ ንበይኑ ብዘይ ተካኢ ተሪፉ እዩ።
*ኢትዮጵውነት ዝብሃል ብናይ ሓሶት ታሪኽን ብምዕማጽ ህዝብታት ዝተመስረተ እውን፣ ብዓይንና እንዳራኣናዮ ይነድድ ኣሎ።
ሕጂ፣ ነዚ ብሰንኪ መግዛእቲ ክፍጠር ዝጸንሐ ናእሽቱ ምፍልላይ ተወጊዱ፣ ህዝቢ ትግርኛ ቁጠባዊ፣ ፖሊቲካዊን ባህላዉን ረብሓኡ ንምርግጋጽ፣ ግደ መንእሰያት ትግርኛ እታይ ይኩን እዩ እቲ ሕቶ?
ገለ መትከላት ንዝተኸፋፈለ ህዝብታት ዳግማይ ምትእስሳር ንምህናጽ ዝሓገዙ፤
ናይ ሓባር ታሪኻዊ ምርድዳእ ምድንፋዕ።
ንኽልቲኡ ማለት ነቲ ናይ ሓባር ውርሻን ናይ ንኣሽሓት ዓመታት ስልጣኔና ንኣስታት 1200 ዓመታት ኣንጻር ወረርቲ ዝተቃለስናዩ ክሳብ ውድቀት ደርጊ ተፈላሊና ከምዘይንፈልጥ ተመኩሮታትን ኣፍልጦ ምሃብ።
እዞም ዛእቲ ደርብን እዞም ሃካያት ተቋወምቲ ፖሎቲከኛታትን ቀንዲ ዝሕቡኡላ ባዓቲ እቲን ሓድጊ መግዛእቲ ኣፍልጦ ምሃብን ምትብባዕን እዩ።
ባህላዊ ምትእስሳር ምድንፋዕ።
ንቋንቋ ትግርኛ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ሙዚቃ፡ በዓላት፡ ከምኡ’ውን ኣካዳሚያዊ ምልውዋጥ ስግር ዶባት ኣብ ዝከኣለሉ ምድጋፍ።
ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምትብባዕ። ስድራቤታት፡ ምሁራት፡ ስነ-ጥበባውያን፡ ነጋዶን መንእሰያትን ብስሩዕ ርክብ ምትእምማን ክፈጥሩ ይኽእሉ።
ቁጠባዊ ምትሕብባር ምምዕባል።
ንግዳዊ፡ ትሕተ-ቅርጽን ትምህርታዊ ሽርክነትን መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ፖለቲካዊ ጭርሖታት ንላዕሊ ዝምድናታት ብዝያዳ ኣድማዒ መንገዲ የሐይል።
*እዚ ቀንዲ መፍትሒ ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኣግኣዝያን ብከተማውነትን ኢንድስትራውነትን ስጡም ሓደ ፖሎቲካውን ቁጦባውን ማሕበረሰብ ምፍጣር ወይ ኣብ ሓደ ጂኦግራፊ ምንባር ስጥመት፡ውህደትን ሓደ ስሚዒት ዘለዎ ህዝቢ ምፍጣር ብቀደሙ እውን ስልጣኔ ኣግኣዝያን ውጽኢት ናይዚ ኣቀዲመ ዝጠቀስኩዎ እዩ።
ንኹሉ ዝሓቁፍ ልትካላት ምፍጣር።
ዝኾነ ምንቅስቓስ ስነ-ሓሳባዊ ምትእስሳር ካብ ምሕታት ንላዕሊ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ርእይቶታት፡ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን ዞባዊ መንነታትን ብሓጎስ ክቕበል ይግባእ።
ኣወዳድባ ህዝቢ ትግርኛ ስድራቤት፡ዓዲን ሃገርን እዩ ስለዚ ኩለን ዓድታት ውክልና ክህልወን ኣለዎ።
መሰል ርእሰ ውሳነ ኣኽብር።
ብዛዕባ ዝቐረበ ፖለቲካዊ ውህደት ዝምልከት ዘተ እንተሃልዩ፡ ብሰላም፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ፡ ከምኡ’ውን ብናጻ ዝተገልጸ ፍቓድ ዝምልከቶ ህዝቢ ክኸውን ይግባእ።
መግዛእታዊ ዶባት ንብዙሓት ህዝብታት ኣብ ምክፍፋል ከም ዝገደፎም ታሪኽ ይሕብር። ገሊኦም ድማ ጥቡቕ ምትሕብባር እናማዕበሉ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኮይኖም ክቕጽሉ መሪጾም፤ ካልኦት ድማ ዝተፈላለየ መልክዕ ፖለቲካዊ ውህደት ተኸቲሎም እዮም። ዘላቒ ውጽኢት ብሓፈሻ ኣብ ዘተ፡ ደሞክራስያዊ ተሳትፎ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ሰላማዊ ድርድርን ዝተመርኮሰ እዩ ነይሩ- ኣብ ምግዳድ ወይ ሓይሊ ኣይነበረን።
እዚ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ህዝብና እውን ብሰለማውን ሕጋውን ኢና ክንመልሶ።
ሓንቲ ላኣላዊት "ሃገረ-መንግስቲ" ዝብል ሓሳብካ ባህላዊ ወይ ፖለቲካዊ ራእይ እንተኾይኑ፡ ኣየናይ ሞዴል ኣብ ኣእምሮኻ ከም ዘለካ ክዛረብ ምተገደስኩ-ንኣብነት፤
ንኣብነት ስግረ ዶባት ዝሓየለ ባህላዊ ሓድነት፣
.ናይ ሓባር ባህላዊ ፖሊሲ፣
.ትግራይ ኣካል ናይ ኤርትራ ፖሎቲካዊ ቁጠባ ምግባራ፣ .
.ወይ ድማ ኣብ መወዳእታ .
ብሰላማዊን ሕጋዊን መገዲ፣ ብድሌት ህዝቢ ትግራይ ካኣ፣ ሃገረ ኣግኣዝያን ምግባር።
*እዚ ናይ ህዝቢ ትግርኛ ግን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስኩዎ ኣዝዩ ቀሊል እዩ ምክንያቱ እተን ዝመቀልኦ ፕሮጀክት ኣብቂዐን እየን ብሕጋዊ ሰለማዊ ህዝቢ ትግርኛ ኣብ ሓደ ዝመጸሉ ሕጂ እዩ።



