ወተሃደራዊ
ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክትወርር ዓቕሚ የብላን
ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክትወርር ዓቕሚ የብላን፡ እቲ ናይ ኲናት ሃዋሁ ፈጢሩ ኣብ ስልጣን ክነብር ዝደሊ ኢሳያስ እዩ!
ይሕሸሉ ገብረምካአል

ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክትወርር ዓቕሚ የብላን፡ እቲ ናይ ኲናት ሃዋሁ ፈጢሩ ኣብ ስልጣን ክነብር ዝደሊ ኢሳያስ እዩ!
ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ሚድያታትን፡ ገለ ወገናትን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘለዉ ብስም ተቓወምቲ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታትን ምስ ኣንድነታዊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተኣሳሰሩ ጭርሖታት፡ "ኢትዮጵያ ክትወረና እያ" ዝብል ዘረባ ብስፍሓት ክንቀሳቐስ ይርአ ኣሎ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሓድሽ ስግኣትን ጭንቀትን ንምፍጣር ዝዓለመ ድዩ ወይስ ካልእ ፖለቲካዊ ዕላማ ኣለዎ? ንናይ ብሓቂ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክትወርር ድሌትን ዓቕምን ኣለዋ ድዩ? ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ፡ ኣብ ሕጂ እዋን ዘሎ ክውንነት ኢትዮጵያ፡ ቅልውላው ቁጠባኣ፡ ውሽጣዊ ኲናት ሕድሕዳ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ብዕምቆት ምምርማር የድሊ።
ብመሰረት ጭቡጥ ሓቅታት፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንኤርትራ ክትወርር ዘኽእላ ዓቕሚ ይኹን ድሌት የብላን። ኣብ ክንዲ ናብ ወራር ዝኣቱ ሓይሊ፡ ብውሽጣዊ ሽግራት ዝተናወጸት፡ ብቅልውላው ቁጠባ ዝተዳኽመት፡ ብዕዳ ዝዘቐበበትን ብውሽጣዊ ኲናት ሕድሕድ ዝተሓማሰትን ሃገር እያ። እቲ ቀንዲ ንኲናትን ህውከትን ዝደሊ ዘሎ ኣካል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ኲናት ሃዋሁ ፈጢሩ ብዘይ ቅዋምን ምርጫን ኣብ ስልጣን ክነብር ዝደሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ።
1. ክውንነት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ውሽጣዊ ቅልውላው እምበር ናይ ወራር ዓቕሚ የለን
ሓንቲ ሃገር ንኻልእ ሃገር ንምውራር ክትሓስብ ከላ፡ ውሽጣዊ ምርግጋእ፡ ሓያል ቁጠባ፡ ውሑድ ዕዳን ዕቱብ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ሓድነትን የድልያ። ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን እዚ ግን በንጻሩ ኣብ ከቢድ ውሽጣዊ ፈተነታት ትርከብ። ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝልዓሉ ዕጥቃዊ ኲናታት፡ ናይ ሕጊ ልዕልና ምጉዳል፡ ናይ መንነትን መሬትን ኣከራኻሪ ጉዳያት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ክልላትን ዘሎ ምስሕሓብ ንኢትዮጵያ ካብ ናይ ወጻኢ ወራር ንላዕሊ ኣብ ውሽጣዊ ህልውናኣ ኣተኲራ ክትሰርሕ ዘገድዳ ጉዳያት እዮም።
ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ኦሮሚያን ካልኦት ከባብታትን ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታን ምክልኻልን ክዋፈር ዝገብሮ ዘሎ ኩነታት፡ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ሓድሽ ግንባር ኲናት ክትከፍት ዘኽእላ ኩነታት ከም ዘይኮነ ዘረጋግጽ እዩ። ኲናት ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ዝውሰን ኣይኮነን፤ ንሰብኣዊ ሓይሊ፡ ንስንቂ፡ ንመሳርሒ ኲናትን ንዲፕሎማስያዊ ደገፍን ዝሓትት እዩ። ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን እዚ እዞም መሰረታዊ ረቛሒታት እዚኣቶም ኣብ ውሽጣዊ ምርግጋእ ንምምጻእ እኳ ዘይኣኽልዋ ኮይኖም ይርኣዩ።
ኲናት ሕድሕድን ውሽጣዊ ምስሕሓብን
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ፡ ንመንግስትን ንህዝብን ብዙሕ ዋጋ ዘኽፈለ እዩ። ዕጥቃዊ ጉጅለታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እናተንቀሳቐሱ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ርሑቕ ግንባር ኲናት ክኸፍት እንተ ፈቲኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ጸጥታ ዝያዳ ክበላሸው ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ውሽጣዊ ጸጥታ ምምላስን ናይ ሕድሕድ ግጭት ምውጋድን እዩ ዝኸውን።
ቅልውላው ቁጠባን ዕዳን
ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብብዙሕ ጸቕጢ ይሓልፍ ኣሎ። ብፍላይ፡
ብርቱዕ ናህሪ ዋጋታት (Inflation): መሰረታዊ ቀረባት መግብን ኣገልግሎታትን ብተደጋጋሚ እናኸበሩ ይመጽኡ ኣለዉ፡ እዚ ድማ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህዝቢ ከቢድ ጽዕነት ፈጢሩ ኣሎ።
ናይ ወጻኢ ሸርፊ (Forex Shortage) ጸገም: ንመሳርሒ ኲናትን ንካልእ ኣገደስቲ ኣቕሑን ዝኸውን ናይ ወጻኢ ባጤራ ምውሓድ ንዝኾነ ወታሃደራዊ ወፍሪ ይገድቦ።
ከቢድ ናይ ውሽጥን ወጻእን ዕዳ: ኢትዮጵያ ብብዙሕ ዕዳ ዝዘቐብበት ሃገር ብምዃና፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሓድሽ ኲናት ገንዘብ ተፍስስ፡ ኣብ ዕዳ ምኽፋል፡ ኣብ መሰረታዊ ልምዓትን ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታን ክትጥቀም እያ እትግደድ።
ስራሕ ኣልቦነትን ማሕበራዊ ጸቕጥን: ምስ ቁጠባዊ ምድኻም ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ናይ ስራሕ ዕድል ምጉዳልን ማሕበራዊ ቅልውላውን ናብ ናይ ወጻኢ ወራር ከምርሕ ዝኽእል ዓቕሚ የብሉን።
2. መንግስቲ ብልጽግናን ቀዳምነታቱን
መንግስቲ ብልጽግና ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘለዎ ቀዳምነትን ድሌትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ስልጣን ምጽናዕ፡ ናይ ውሽጢ ጸገማት ምፍታሕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ዝርከብ ማሕበረዊ መሰረቱ ከመይ ኢሉ ከም ዝዓብን ዝብልጽግን እዩ። ንኤርትራ ክወርር ድሌት ኮነ ዓቕሚ የብሉን፤ ብተመሳሳሊ ንክልል ትግራይን ዓፋርን ይኹን ንካልእ ከባቢ ከረጋግእ ዓቕሚ የብሉን።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰደዶ ደብዳቤታትን መግለጺታትን፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ከም ዘኽብርን ናይ ኲናት ድሌት ከም ዘይብሉን ብግልጺ ኣነጺሩ ገሊጹ እዩ። ስለዚ፡ እቲ "ኢትዮጵያ ክትወረና እያ" ዝብል ጭርሖ ምስ ናይ ባህጊ ፖለቲካ እምበር ምስ ናይ ባህሪ ሓቂ ዝሰማማዕ ኣይኮነን።
3. መን እዩ እቲ ናይ ኲናት ሃዋሁ ፈጢሩ ኣብ ስልጣን ክነብር ዝደሊ ዘሎ?
እቲ ሓቂ ክንርዳእ እንተ ደሊና፡ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ኲናት ስግኣትን ሃዋሁን ብምፍጣር ካብኡ ተጠቃሚ ዝኸውን ዘሎ መን እዩ ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ እዩ። ኣንድነታዊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት፡ ብዘይ ምርጫን ብዘይ ተሓታትነትን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካዊን ሽግራት ንምሕባእን ንህዝቢ ኣብ ስግኣት ንምንባርን፡ ኲናትን ናይ ወጻኢ ስግኣትን ከም ቀንዲ መሳርሒ ፖለቲካ ይጥቀመሉ እዩ።
እዚ ኣካይዳ እዚ ብሓቂ ኣንጻር ልዑላውነት ኤርትራ ዝሰርሕ እዩ፤ ብምኽንያቱ ንቁጠባ ሃገር ብምዕናው፡ ንሰራዊትና ዘመናዊ ኣጽዋር ከይዓጥቕን ቴክኖሎጂ ከይህልዎን ብምግባር፡ ከምኡ’ውን ናይ ሃገር ዴሞግራፊ ብምቕያር ንልዑላውነት ኤርትራ ዘዳኽም ተግባር እዩ ፈጺሙ።
ንምንታይ ናይ ኲናት ሃዋሁ የድልዮ?
1. ውሽጣዊ ሕቶታት ንምዕባስ: ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ስደት ቀውሲ፡ ናይ ቁጠባ ምድኻም፡ ምዕናው ቁጠባ፡ ምቅያር ዴሞግራፊ፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ሕቶታትን ናይ ሕገ-መንግስቲ ምትግባር ሕቶታትን ብዝተሓተተ ግዜ፡ "ሃገር ኣብ ስግኣት ወራር እያ ዘላ" ብምባል ናብ ካልእ ንምዝዋር ይጥቀመሉ።
2. ህዝቢ ብፍርሕን ስግኣትን ንምሓዝ: ናይ ኲናት ስግኣት ክህሉ ከሎ፡ ህዝቢ ንመሰረታዊ መሰላቱን ለውጥን ከይሓትትን ኣብ ትሕቲ ፍርሒ ኮይኑ ክቕጽልን ይገብር።
3. ኣብ ስልጣን ንምቕጻል: ኩሉ ዓቕሚ ሃገር ኣብ "ምክልኻል"ን "ህልውና"ን ከም ዝውዕል ብምግባር፡ ሰራዊት ዘመናዊ ኣጽዋርን ቴክኖሎጅን ከይረክብ ብምግዳብን ንናይ ስልጣን ዕድሚኡ ንምንዋሕ ይጥቀመሉ።
ኣብ ታሪኽና እውን ርኢናዮ ኢና፤ ንልዑላውነት ሃገርናን ንሓድነት ህዝብናን ኣሕሊፉ ዝሃበ ኢሳያስ እዩ፡ ኣብ 2018 ዝተራእየ ንልዑላውነትና ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ መደረ ምዝካር ይካኣል፡ ከምኡ’ውን ንሃገርና ብምድኻም፡ ቁጠባኣ ብምዕናው፡ ዴሞግራፊ ብምቕያርን ንሰራዊትና ብዘመናዊ ኣጽዋርን ቴክኖሎጅን ከይሕየል ብምግባር ንውልቃዊ ስልጣኑ ዝጠቅም ፖለቲካዊ ከይዲ ኢሳያስ ንህዝብና ኣይጠቐመን። ህዝቢ ኤርትራ ድሌቱ ሰላም፡ ምርግጋእ፡ ልምዓትን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን እዩ እምበር፡ ብሓሶት ጭርሖታት ኣብ ዘይጠቅም ኲናትን ስግኣትን ምእታው ኣይኮነን።
4. ብስም ተቓወምቲ ዝዛረቡን ናይ ልዑላውነት ሓልዮትን
ብምምሳል ኣብ ናይ ብሓቂ ግን ነቲ ናይ ራዕዲ ሓሳባት ብምቅላሕ ንዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ዝሰርሑ፡ ኣብ ገለ እዋን ንናይ ኲናት ጭርሖታት ዘቃልሑ ወይ ድማ ንዝሓለፈ ታሪኽ ዘይምጡን ኣረኣእያ ዘርእዩ ወገናት፡ ብዛዕባ ልዑላውነት ኤርትራ ብሓቂ ይሓልዩ ድዮም? ልዑላውነት ማለት ዶባት፡ ዴሞግራፍያዊ ህልውና፡ ሓያል ቁጠባ፡ ብቑዕ ምክልኻልን ህዝባዊ ክብርን ማለት እዩ። ናይ ብሓቂ ነዚ ድማ ምስ ኢሳያስ ኮይካ ምርግጋጽ ይካኣል ድዩ? ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ፍርሕን ብዘይ ጭቆናን ክነብር፡ ዶባቱን ዴሞግራፊኡን ውሑስ ክኸውን፡ ቁጠባኡ ክዓብን ሰራዊቱ ዘመናዊ ዓቕሚ ሒዙ ኣብ ሰላም ክነብርን ምስ ኢሳያስ ይካኣል ድዩ? እቲ መልሲ ኣይካኣልን እዩ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ኣንጻር ልዑላውነትና ዝሰርሕ ጸላኢ ኢሳያስ ካብ ኮነ፡ ቀጻልነት ልዑላውነትና ድማ ኣብ ምእላይ ኢሳያስ እዩ ዝረጋገጽ።
ካብኡ ሓሊፉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ሓሶት ስግኣት ምእታው ወይ ንናይ ፖለቲካ ዕላማ ናይ ኲናት ራዕዲ ምፍጣር፡ ንሃገር ኣይጠቅምን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንልዑላውነቱን ንክብሩን ንምሕላው ዝከኣሎ ኩሉ ዝገብር ህዝቢ እዩ።
5. መደምደምታ
ብሓፈሻ ክርአ ከሎ፡ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክትወርር ድሌት ኮነ ዓቕሚ የብላን። ብውሽጣዊ ቅልውላው ዝተናወጸት፡ ብኲናት ሕድሕድ ዝተፈተነት፡ ብናህሪ ዋጋታትን ዕዳን ዝተዳኽመት ሃገር ንኤርትራ ክትወርር ትኽእል እያ ምባል ምስ ሕጂ ዘሎ ክውንነት ዝዛመድ ኣይኮነን። መንግስቲ ብልጽግና እውን ቀዳምነቱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ጉዳያትን ናይ ኦሮሞ ማሕበረዊ መሰረቱ ምብልጻግን እዩ፤ ንልዑላውነት ኤርትራ ከም ዘኽብር እውን ብግልጺ ኣፍሊጡ እዩ።
እቲ ብሓቂ ናይ ኲናት ሃዋሁ ፈጢሩ ኣብ ስልጣን ክነብር ዝደሊ ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ሰላምን ሕገ-መንግስትን መንገዲ ዕጽው ገይሩ፡ ቁጠባ ብምዕናው፡ ዴሞግራፊ ብምቕያር፡ ሰራዊት ዘመናዊ ኣጽዋርን ቴክኖሎጅን ከይህልዎ ብምግባርን ኣንጻር ልዑላውነት እናሰርሐ፡ ብስግኣትን ኲናትን ንህዝቢ ክገዝእ ዝደሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ። ስለዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ኲናት ፕሮፓጋንዳ ተጠንቂቑ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ተሓታትነትን፡ ውሑስን ቀጻልን ምዕቃብ ልዑላውነት ኣብ ምእላይ ኢሳያስ ምዃኑ ኣሚኑ ንዕኡ ክቃለስ ኣለዎ።



