ሕብረተሰብ
ስርዓታዊ ዘገምታዊ ጽንተት ኣብ ልዕሌና ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ?
ጉዕዞ ዘይተነገረሉ ጽንተትና ክሳብ መዓስ?
ኣስመሮ ተስፋሁነይ

ብማሕበራውን ቁጠባውን ጀሚሩ ናብ ምህላውን ዘይምህላውን ጽንተት ኣብጺሕና ዘሎ ጠንቂ ሽግርና ብሓቂ ብናይ ደገ ጸላእቲዶ'ስ ኮነ ተባሂሉ ብናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ስርዓት ዝፍጸም ዘሎ ኢዩ?
ህዝብና ከምቲ ንዘበናት ኣንጻር ወረርትን ዓመጽትን ንናጽነቱን ክብርሩን፡መሬቱ፡ቃንቁኡ፡ እምነቱ፡ ሕግታቱን ንምሕላውን ንምውሓስን ዝገብሮ ዝነበረ ቃልስታት፡ ኣንጻር ኢትዮጲያ ውን ልክዕ ነዞም ዕላማታት ኢዩ ተቃሊሱን ተሰዊኡን ሰንኪሉን ከቢድ ዋጋታት ዝከፈለን።እዚ ኩሉ ረዚን ዋጋ ክከፍል ከሎ ግን ሓንሳብን ንሓዋሩን ሽግራቱ ፈቲሑ ኣብ ሰላምን ራህዋን ምዕባለን ዕቤትን ምስ ደቁን ደቂ ደቁን ውሉድ ትውልዱን ተሓቃቁፉ ተሓጉሱ ብሓበንን ኩርዓትን ንክነብር ደኣምበር ዝተፈላለየ ምክንያታት እንዳተፈጥረሉ ደጋጊምካ ክዋጋእን ክመውትን ክስንክልን፡ ክስደድን ክደክን ኢሉ ኣይኮነን ኣይግባእን ወንዩ።
እዚ ሎሚ ንነብሮን ንሓልፎን ዘለና ኩነታት እምበኣር እቲ ናይ ብሓቂ ክነብሮ ዝግበኣና ዝነበረ ዘይኮነስ ጠቅላላ ብኣንጻሩ ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ዕላማን ድሌትን ቃልስን መስዋእትን ህዝብና ተጨውዩ ኣብ ኢድ ካብቶም ዝሰዓርናዮም ናይ ደገ ጸላእቲ ዝከፉኡ ኣብ ውሽጥና ተሓቢኦም ዝጸንሑ መርዛማት ጸላእትና ወዲቅና ስለዘለና ኢዩ። እዚ ክንብል ንደፍረሉ ምክንያት ከኣ ስነሓሳብ ወይ ግምት ዘይኮነስ ብጭቡጥን ወድዓውን ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ብምርኣይን ብምዕዛብን ኢዩ። እዚ ንርእዮን ንሰምዖን ንነብሮን ዘለና ሂወት ዓቢይን ቀዳማይ ናይ ቀዳማይ ምስክር ምንጪን ክኮነና ዝክእል ሓቅን ጭብጥን መርትዖን ኢዩ።
ብኸመይ ደኣ ኣብዚ በጺሕና ወይ ወዲቅና?
ብሓጺሩ ድሕሪ ነዊሕ ንገዛእትን ገዛጥኝ ወረርትን መግዛእታዊ ክብርታትን ሓድግታትን ንምስዓር ዝገበርናዮ ቃልሲ ከም እንደገና ተጨውዩ ኣብ ኢድ እቶም ደቂ ሓድጊ መግዛእቲ ስለዛኣተወ ክንግምቶ ዘይንክእል ሓደጋ ኣውሪድልና ይርከብ። ከምቲ ዝበሃል፡ "ካብ #ፈተውተይ ደኣ ሓልወኒ እምበር ካብ #ጸላእተይሲ ባዕለይ ይፈልጦም ኢየ" ዝበሃል ንዓና ተመሲሎም ንግርህነትና ቅንዕናና መዝሚዞም ፈተውትና መሲሎም ኣብ ውሽጥና ዝጸንሑ ብሕብሪ ብቆርበት ብቃብቃ ውን ንዓና ዝመስሉ፡ ብሽም ቃልስናን መስዋእትናን ዝሽቅጡ ግን ከኣ ኣብ ቀጻሊ መስዋእትን ቃልስን ከንብሩና ዝደልዩ ብደምና ዝጻወቱ ሕቡኣት ጸላእትና ወዲቅና ስለ ዘለና ኢዩ።
ንሶም ብድሕረባይተኦም ዝተወዳደቡ ህግደፍ ዝብል ትካል ብምትካል ንኩሉ ስልጣን ሃብትን ሃገር በይኖም ተቆጻጺሮም ሕግን ፍርድን ብምዕምጻጽ መኒኻ ዘይብሉ፡ ሃገርን ህዝብን ዝምዝምዙን ዝሰርቁን ዝቀትሉን ዝብድሉን ዝኣስሩን ዝጨውዩን ዘለው ካብ ጥልያን ዝተረፉ ደቂ ዕሱባት ጥልያን ዝነበሩ ኢዮም።ነዚ ኩሉ ግዕዝይነቶምን ግፍዖምን ብልሽውበኦምን ከኣ ብሽም ምክልኻልን ምውሓስን ሃገርንዮም ዘሰንይዎን ዘመክንዩሉን ዘታልሉን። እቲ ሓቂ ግን ከሙኡ ኣይኮነን ናቶም ድሌት ንዓና ኣድክዮም ኣደንቁሮም ድሂሎም ብምቁጻጻር ፍጹም ምሉኻትን ፈራሓትን ናቶም ኣገልገልትን ጌሮምና ንክነብሩ ጥራይ ኢዩ ድሌቶምን ዕላመኦምን።
ብኸመድ ደኣ ነዚ እከይ ስረሖም የተግብሩ?
ከምቲ ኩሉ ግዜ ንርእዮን ንዕዘቦን ነቲ ባዕሎም ዝፈጥርዎ ሽግራት ናብ ካልእ #ኣካል ብምሃብ ብምልጋብን ንሶም ንጹሃትን ነዚ ሃገርን ህዝብን ኢሎም ይሰርሑን ዋጋ ይከፍሉን ከዘለው ኢዮም ክነግሩናን ከታልሉናን ዝፍትኑ። እቲ ሓቂ ግን ንዓናን ንሃገርናን ዝከውን መደብን ዕላማን የብሎምን ኣይነበሮምን ኣይክህልዎምን ወንዩ።ንዓናስ ከመይ ይቆጻጸሩናን ሰጥለበጥ ኣቢልልም ይገዙኡናን ጥራይ ኢዩ።ናትና ጥዕና ዘለወ ህላወ ይኩን ምዕባለ ንዐኦም ስጋኣቶም ጌሮም ኢዮም ዝሓስቡን ዝርእዩናን ዝኣምኑን።ገለ ካብቲ ቀንዲ ሜላታት መቆጻጸርን መታለልን ንዕስና ኣብትሕቲ ናቶም መቁሕንምእታው ዝጥቀምሉ ናይ ጭካኔ መገዲ ከኣ ብከምዚ ዝስዕብ ክንርእዮ ንክእል ኢና።
1. ኩናት፡
ኣብ ሃገርና ካብቲ ቀንዲ ናይ ምሕደራን ምቁፃርን መገድታት ዝጥቀምሉ እቲ ዝዓበየን ዝበለጸን ብኢሰያስ ከም ፖሊሲ ዝተሓዝን ዝትግበርን ዝፍጸምን #ኩናት ኢዩ።ኩናት ማለት ንሓደ ንስልጣኑ ጥራይ ንዝሓስብ መራሒ እቲ ዝበከጸን ዝቀለለን መቆጻጸሪ ስልቲ ኢዩ።ሃገር ኣብ ኩናት ኣላ እንተተባሂሉ ካልእ ኩሉ ይውንዘፍ ወይ ቀዳምነት ኣይህልዎን።ናይ ህላወ ስጋኣት ኣለና ተባሂሉ ምሉእ ዓቅምን ኣድህቦን ሃገርን ህዝብን ናብቲ ኩናት ከምዝከውን ይግበር። ኢሰያስ ከኣ ነዚ ስለዝርዳእ ዝፈልጥን ንሃገርና ምስ ኩለን ጎረባብትና ብምትኑካይ ኩናት ብምውላዕን ናይ ስልጣኑ መረጋገጺ ውሕስነት ጌሩ ይጥቀመሉ ኣሎ።እዚ ከኣ ኣብ ሃገርና ን35 ዓመታት ኣብ ናይ ኩናት ህጹጽ ኣዋጅ ከምትነብር ጌርካ፡ ዝቅተል እንዳቀተልካ ዝእሰር እንዳኣሰርካ ክትገዝእን ክትቆጻጸርን ዝበለጸ ኮይኑ ረኪብዎስ ብዘይ ንሕስያ ይሰርሕስሉ ይቅጽሎን ኣሎ።ፈታውን ጸላእን ኣስማትን እንዳቀያየረ ከኣ እንዳደመና ክነብር ይገብር ኣሎ። ኣብ ዝምልከተናን ዘይምልከተናን ዘገድሰናን ዘየገድሰናን ኩናት እንዳእተወ ከኣ ክንስዋኣን ክንስንክል ይስራሕ ኣሎ።
2. ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ምክልካል
ወይ ከምዘይህሉ ምግባር÷ ኣብ ሃገርና ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከም መቆጻጸርን እቲ ህዝቢ ብቀሊሉ ከምዘይረክቦምን ምግባር ገለ ካብቲ ለይትን ቀትርን ዝስረሓሉ እኬይ ተግባራት ኢዩ። ኣገልግሎታት መጎዓዝያ፡ ሕክምና፡ ትምህርቲ፡ፍትሒ፡ምምሕዳራዊ ኣገልግሎት ብቀሊሉ ንከይንረክብን ምዕቡሉን ጽፉፍን ከይስራሕን ብሉጽ ኣገልግሎታት ከይንረልብን ከም ዓይኒ ንስሪ ኣድቂቁ ልዕሊ ዝኮነ ነገር ሰሪዑ ይቆጻጸርን ይሰርሕን። ምክንያቱ ነዞም ኣገልግሎታት እዚኦም ጥዕና ሃሊዎም ከገልግሉን ተወዳደርቲ ክኮኑን እንተኮይኑ ናብታ ኢሰያስ ዘይደልያ ምዕቡል ዓቅሚ ሰብ ከይፍጠር ዝሰርሓላ ቀንዲ ዕላምኡ ክትመጾ ኢያ። እዚኣ ከኣ ዓቅምን ፍልጠትን ዘለዎም ሰባት ሓደጋ ናይ ስልጣን ስለዝኮኑ ከምዚ ዓይነት ግርህነት ክሕሰብ የብሉን።ስለዚ ኩሉ ዝግበር ካብ ናይ ኢሰያስ ስልጣንን ወንበርን ምውሓስ ዝብገስ ደኣምበር ንህዝቢ ዘተኮረን ቀዳምነት ዝሃብን ዝከውን ወይ ዝጠቅም ዝሓሰብን ኣብ ግምት ዛኣቱን ኣይኮነን። ኣንኮራ ዓቅሚ ከይፈጥር ማሕለኻታትን መሰናክላትን እንዳፈጠርካ ተዐንቅፎን ትቆጽዮን እንተተካኢሉ ከኣ ትድምስሶን።
3. መሰረታውያን ቀረባት ምክልካል፡
መሰረታውያን ቀረባት ማይ፡ ጋዝ፡ መብራህቲ፡ መግቢ፡መንበሪ ገዛ እዚኦም ገለ ካብቶም ንወዲ ሰብ ግድን ንክህሉ ዘድልይዎ ነገራት ኢዮም።ነዚኦም ብስሩዕን ብግቡእን ክትረክብ እንተዘይ ኪኢልካ ከም ሕብረተሰብ ይኩን ከም ስድራ ዋላውን ከም ውልቀሰብ ክትነብር ኣይትክእልን እተነበርካ ውን ኣብ ከቢድ ናይ ምህላው/survival ኩነታት ኮንካ ኣይነበር ትነብር ማለት ኢዩ። ከምዚ ንሕና ንነብሮ ዘለና ማለት ኢዩ። ኣብ ሃገርና ገዛውቲ ምስራሕ ኩልኩል ኢዩ፡ ማይ ናብ ህዝቢ ከይበጽሕ ናብ ማይ ዘለዎ ኪዱ ዝብል ጨካን መላኺ ኢዩ።መገዓዝያ ዳርጋ የለን፡ ሕክምና የለን፡ ብዛዕባ ፍትሕን ፍርድ ዘይምዝራብ ይሓይሽ።ሰለዚ ነዞም መሰረታውያን ነገራት እዚኦም ከይፈታሕካ ብዛዕባ ምዕባለን ቴክኖሎጅን ክትሓስብ ዘይከኣል. ኢዩ።ዕላማን ድሌትን ኢሰያስ ከኣ ኣብዛ ደረጃ እዚኣ ንክንበጽሕ ኢዩ ኔሩ በጺሕና ከኣ።
4. ማሕበራዊ ሽበራ
ኣብ ሃገርና ኩሉ ዝግበር ንንጥፈታት ነቲ ህዝቢ ምሽባርን ኣተሓሳስቡኡን ትጽቢቱን በቲ መዓልታዊ ሂወቱ/ጠለባቱ ክዕብለልን ካቡኡ ዝሓልፍ ከይከውንን ምርግጋጽ ኢዩ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ናይ ኩሎም ኣገልግሎታትን ቀረባትን ሕጽረት ስለዘሎ፡መዓልታዊ ምስዞም ነገራት እዚኦም ክቃለስ ከምዝውዕል ትገብሮ፡ እዚ እኩል ስለዘይኮነ ከኣ ብግፋን ማይ መጸት ከደት፡ ኤለትሪክ መጸት ከደት፡ ከይሓርስ፡ ከይነግድ፡ ከይገይሽ ጌርካ ካልእ ነገራት ንምሕሳብ ከምዘየርክበሉን ሓበሬታን ፍልጠትን ብቀሊሉ ከምዘይረክብን ምስራሕን ምክትታልን።ኣብ መወዳእታ ምሰኣብጻሕካዮ ከኣ ብሰንኪ ድንቁርኑን ዓቅሙን ፈትዩን ከይፈተወን ናትካ ኣገልግሊ ኮይኑ ክተርፍ ምግባር ኢዩ። በቲ ዘጋጥሞ ሕጽረታትን ምክላእ ዕድላትን ከኣ ንስልጣንካን ስራሕካን ክፈልጥን ክሓሳብን ከምዘይክእል ትገብሮ። ነዚ ከኣ ኢሰያስ ን35 ዓመታት ሰሪሓትሉን ትሰርሓሉን ኣላ።
5. ስደትን
ምብትታትን ስድራቤትን፡ ዝከነ ሰብ ኣብ ሃገሩን ምስ ስድሩኡን ክነብር ኢዩ ዝመርጽን ዝደልን፡ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ምስ ዘጋጥሞ ጥራይ ኢዩ ናብ ዘይፈልጦ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሉ ዝስደድ።ብርግጽ ሰባት ብዝተፈላለየ ምክንያት ክስደዱ ይክእሉ ኢዮም። ኣብዛ ናትና ግን ኮነ ተባሂሉ ስድራቤታት ክበታተናን መንእሰያት ኣብ ዓዶም ተስፋ ቆሪጾምን በቲ መዓልታዊ ዘጋጥሞም ሽበራን ዓዶም ገዲፎን ሃጽ ከምዝብሉ ስለዝተገብረን ኢዩ። ንሓደ መንእሰይ ሃገሩ ናይ መጻኢኡ ዕድል ዘይርእየላ እንተኮይኑ ዝሓሽ ነገር ክረክብ ከቃምትን ክስደድን ግድን ኢዩ። ኣብ ሃገርና ከኣ ካብቲ ተስፋ ክንቆርጽ ዝገብር መዓልታዊ ጎስጋሳቶም ጀሚርካ ክትስደድ ዝዕድምን ዝደፍእን ሜላታት ብምትእትታው ክትጠፋኣሎም ኣርሒቅካ ክትከደሎም ይሰርሑ። ምክንያቱ ኣቡኡ ተሊካ፡ ናይ ስልጣኖም ሓደጋ ከምትከውን ከምትክእል ይፈልጡ ኢዮም።
6. ዕደና
እቲ ሓድሽ ሓደገኛ ናይ መወዳእታ ንምጽናትና ዝግበር ዘሎ ናይ ሞት፣ ሓደጋ። ዕደና ንልዕለ መሬትን ትሕተ መሬትን ዘሎ ናይ ተፈጥሮ ባህርያዊ ሃብቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብምፍሓርን ናብ ጎዳጉዲን ኣጻድፍን ብምቅያርን ደማሲሱ ክትነብረሉ ናብዘይከኣል ቦታ ዝቅያር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብከሚካላት ተበኪሉ ካብቲ ከባቢ ኣማኢት ኪሎሜተራት ክትርሕቅ ዘገድድ ኣብ ማኸል ህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ዕደና ውንዩ። ብፍላይ እዚ ናይ ሕጂ ብስም Asmara mining ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ኣብ ድባሩባን ዝግበር ዘሎ ኣብ ማእከል ህዝብን ከተማን ፍጹም ነውርን ክሕሰብ ዘይግበኦም ኢዩ። ምክንያቱ ዕደና ካብ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢ ርሒቁ ጥራይ ኢዩ ክዕደን ዝግባእ።እዚ ዝግበር ዘሎ ኣብ ዓለም ተጌን ተራእዩን ኣይፈልጥንዩ፡ተጌሩ ተኮይኑ ከኣ ብጸላእቲ ወይ ወረርቲዩ ክከውን ዝክእል።እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተገብረ ዕደናታት ኣዝዩ ከቢድ ዕንወትን ነባሪ በሰላንዩ ገዲፉ ሓሊፉ ዘሎ። ብፍላይ ኣብቲ ዓይኒ ማይን መበገዚ ወሓይዝን ኤርትራ ዝኮነ ከበሳ በኪልካዮ ማለት ከኣ ንምሉእ ንማያት ኤርትራ ብሓንቲ ለይቲ በኪልካዮ ሓዲርካ ማለት ኢዩ። ስለዚ እዚ መቀጸልታ ናይቲ ካልእ ንጽንተትና ዝግበር ሕሱር ተግባራት ኢሰያስ ደኣምበር ንዓና ክጠቅም ዝግበር ዘሎ ኣይኮነን። እዚ ዕደና እዚ ከኣ ብህጹጽ ደው ክብል ጥራይዩ ዘለዎ። ሳዕቤኑ ከቢድዩ ክከውንሞ ንጠንቀቅ።
ብሓፈሻ ንምጥቅላል እምቨኣር እዚ ኣባና ወሪዱ ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን ጽንተትን ኮነ ተባሂሉ ሓደ ብሓደ ተኣሊሙ ዝፍጸም ዘሎ መንግስታዊ ስርዓት ኢዩ። ከም ፖሊሲ ቀሪጾም ወጢኖም ዓቂኖም ኣመዛዚኖም ብጭካኔ ዝገብርዎ ዘለው ደኣምበር፡ ናይ ደገ ጸገም ኣይኮነ ወይ ውን ዓቅሚ ስኢኖም ሃገና ካብዚ ንላዕሊ ዓቅሚ ስለዘይብላ ኣይኮነን፡እቲ ሓቂ ኢሰያስ ኢዩ ዓቅሚ ከይህልወና ተስፋ ከይህልወና ትጽቢትና ዓቢ ከይከውን፡ ሕልሚ ከይህልወና ን35 ዓመታት ብዘይ ዕረፍቲ ሰሪሑን ጎስጉሱን ዝሰርሕ ዘሎን። ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ዕድል እተረኪቡ ከኣ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንምለሰሉ ናብ ዘይንክእል ደረጃ ከብጸሓና ኢዩ።
ሰለዚ መንእሰይ ትግርኛ ሃገርካን ህዝብካን ካብዞም በላዕተኛ ሓደገኛታት ጸላእቲ ንምድሓን እንታይ ኢዩ እጃምካ?



