ትንተነ
ካብ ኣልራቢጣ ኣልስላምያ ክሳብ ተመሃሮ ዲያእ ኣልእስላምያን ምትእስሳር ኣሕዋት ኣስላም ዓለም ልኻዊ ውዳቤታቱን።
Daniel Gerekidan

ካብ ኣልራቢጣ ኣልስላምያ ክሳብ ተመሃሮ ዲያእ ኣልእስላምያን ምትእስሳር ኣሕዋት ኣስላም ዓለም ልኻዊ ውዳቤታቱን።
መጀመርያ ኣህጉራዊ ውዳበታት ኣሕዋት ኣስላም(Islamic brother hood)መትከላቱን ንምታይ ዓላማ ተመስሪቱን ዝብል ሕጽር ዝበለ ዳህሳስ ብምግባር ናይ ኤርትራ ኣሕዋት ኣስላም ውድበታት ከመይ ዓይነት ምትእስሳሳር ኣለዎምን ከብርህ ክፍትንየ።መስራቲ ኣሕዋት ኣስላም ሓሰን ኣልበናህ ግብጻዊ ኮይኑ ኣብ 192ታት መወዳእታ ድሕሪ እቲ ኢምብራጠርያዊ ዑስማን ብፈረንሳን እንግሊዝን ተሳዒሩ ድሕሪ ምውጹኡ ንዑኡ መተካእታ ክኸውን ዝመጸ ውዳበን ጥርኑፍንዩ። መትከላቱ ጉዳያት መንግስትን ሕብረተሰብን ኣብ እስላማዊ ሕጊ ሽሪዓ ክሙርኮስ ኣለዎ ዝብል'ዩ።ኣሕዋት ኣስላም ኣህግራዊ ዝርገሐ ዘለዎ ኢስልማዊ ጥርኑፍ ድማዩ። ኣብ ግብጺ ዝለዓለ ንቕጡኡ ዝነበረ ኮይኑ ሕጂ ግን ኣብ ሙሉእ ዓለም ተዘርጊሑ እንኮላይ ብዝሓት ጥርኑፋት ናይ ኤርትራ ኣስላም ዝሓቖፈ ብማኢታት ዝቑጸር ኣሕዋት ኣስላም ውዳቤታት ከምዘሎ ዝኮነ ሰብ ዝስሕቶ ኣይመስለንን።በናህ ንጀማል ኣብደል ናስር ንብ ስልጣን ክመጽእ ተራ ዝነበሮ ኮይኑ 1949 ኣብ ግብጺ ተቐትለ። ጀማል ዓብደል ናስር ነኣሕዋት ኣስላም ድሕሪ ኣብ ስልጣን ምምጹኡ ሕጋዊ ኣፍልጦ ሂብዎ ነይሩዩ። ኣብዚ ምሱኡ ኣትሓሒዘ ክትጠቕሶ ስደሊ ምምስራት ጀብሃ ኣልታሕሪር ዝበሃል እስላማዊ ውዳበ ኣብ ካይሮ ብጀማል ዓብደል ናስርዩ ተመስሪቱ። ካብቶም ቀንዲ መራሕቲ ናይ ዝነበሩ ኣካላት ኣስማት ንምጥቃስ፡- እድሪስ ዑስማን ግላውድዮስ ናይ ሕጊ ሙሩቕ ኣብ ካይሮ፡መሓመድ ሳልሕ ሑመድ ካብ ካይሮ ዩኒቨርስቲ ስዒድ ሑሴን ካብ ኣልዘሃር ተመሃራይ፡ኩቡብ ሓጃጅ፡ኣድም መሓመድ ዓሊ ኣከተ ካብ ካይሮ፡መሓመድ ሲዒድ ኣድም ሰራዊት ሱዳን ነበር፡ኣሕመድ መሓመድ ዓሊ ሰራዊት ሱዳን ነበር፡ጃዕፈር መሓመድ፡ኣዜን ያሲን ካብ ካይርሮን ሳሉሕ ሕዱግ ሰራዊት ሱዳን ነበር እዮም። ኣብዚ ጀማል ኣብቲ ኣንጻር እስራኤል ዝገብሮ ዝነበረ ውግእ ንእስራኤል እንኮላይ ኣብ ወሽመት መጻብቦ ባብኤል መንደብን ቀይሕ ባሕርን ንምሕናቕ ዝብል ተልእኾ እኳ ይህልዎ እንተኾነ ብቐንዱ ጀብሃ ክምስረት ከሎ ግን እስላማዊ ውድብ ኮይኑ ንኤርትራ ኢስላማዊት ሃገርን ብሸሪዓ እትመሓደርን ኣካል እቲ ዓረባዊ ዞባ ንምግባርን ከም ዝነበረ ንጹርዩ።ጀማል ዓብደል ናስር ድሒሩ ንስልጣኑ ኣስጋእቲ ኮይኖም ምስ ረኸቦም ግን ብመንግስታዊ ኣዋጅን ብጎነጽን ክሳብ ኣዋር ሳዳት ናብ ስልጣን ዝመጽእ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ በዓሳን ማሕበርነት ዓረብን ተኸዊሎም ጸንሑ። ከም እንደገና ኣንዋር ሳዳት ንስልጣኑ ንምክልኻል ንኣሕዋት ኣስላም ኣተባበዐ።
ኣልራቢጣ ኣልስላምያ
ዓብደል ቃድር ከቢረን ኢብራሂም ሱልጣንን ካብቶም ቀንዲ መስረትቲ ኣሕዋት ኣስላም ኣልራቢጣ ኮይኖም ሸኽ ኢብራሂም ከምቲ ደቂ ምስለነ በዓል ኣለም ሰገድ ተስፋይ ዝጸሓፍዎ ዝጽውጽዋይ ኣቶ ወልደኣብን ሸኽ ኢብራሂም ስልጣን ብሓንሳብ ደርሆ ብሊዕምዶ ሚሒልም ዝብል ዘይኮነስ ኣብ ሞንጎኦም ሓያል ጽሊኢ ከም ዝነበረ ካብቲ ፖለቲካዊ መንነቶም ክትራዳእ ከቢድ ኣይኮነን። ሸኽ ኢብራሂም ስልጣን ክሳብ ኣብ ባይቶ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ከይዱ ንሕና ዝበዛሕና ኣስላምና ክብል ከሎ ኣቶ ወልደኣብ ከኣ እዛ ሃገር ናይ ትግርኛ ሙዃናዩ ብዙሕ ጽሑፋት ጽሒፉን ተማጒቱን። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ግን ኣሕዋት ኣስላም ኣልራቢጣ ብዙሕ ሰብ ተከዊልዎ ዝጸንሐ ብምትሕብባር ናይ ሽዑ ወተሃደራት እንግሊዝ ዘነበሩ ማህዳውያን ኣብ መጀመርያ ኣርባዓታት ግብረ ሽበራ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣንጻር ትግርኛ ንሓሙሽተ ሰዓት ዘኣክል ከም ዝገበረን ዓሰርተታት ደቂ ሓረስቶት ትግርኛ ከምዝቐተለን ግዜ ዝሰነዶ ታሪኽዩ።
ኣብ እስልምና ዝኣምንን ኣብ ቁራን ዝምሕልን ክኸውን ኣለዎ
ናይ ሱሳታት ጀብሃ ኣልታሕሪር ድሒራ ቅያድ ኣልዓማ ኣልሙወቐታ ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለጽናዮ ብጀማል ዓብደል ናስር ኣብ ካይሮ መብዝሕተኦም ኣብ ግብጺ ኣላዝሃር ዩኒቨርስቲ ዝተመሃሩን ወተሃደራት ሱዳን ዝነበሩ በነዓሚርን ዝቆመ ንኤርትራ እስላማዊት ሃገር ንምግባር ዝዕላሙኡ መሪሕነትዩ ተመስሪቱ።ቅያድ ኣልዓማ ንዉሑዳት ደቂ ምስለነ ከም በዓል እሰያስ ኣብ ጎኑ ብምስላፍ ኣብ 1969 ካብ ውርሒ ታሕሳስ መወዳእታ ክሳብ መጋቢት 1970 ከባቢ 250 ዝኮኑ መንእሰያት ከም በዓል ኪዳነ ኩፍሉን ወልዳይ ግደይን ዝርከብዎም ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ዘይኣክል ደቂ ድኻታት ሓረስቶ ትግርኛ ብስሕለት ካራ ዝሓረደ እስላማዊ ጥርኑፍዩ ነይሩ። ዋና ጸሓፊ ህግደፍ ነበር ኣላሚን ኣብ መጽሓፉ ከም ዝብሎ ቅያድ ኣልዓማ ኣካል ኣሕዋት ኣስላም ከም ዝኾነ ኣብ መትከላቱ ንጹር ገይርዎ ነይሩ ብምባል። ወሲኹ ድማ ኣብ ጉባኤ ኣዶብሓ እቲ ዝምረጽ መሪሕነት ኣብ እስልምና ዘኣምንን ኣብ ቁራኣን ዝምሕልን ከኸውን ኣለዎ ዝብል እማመ ቀሪቡ ከምዘጽደቖ ይምስክር።ቅያድ ኣልዓማ ኣብ ሱዳን ሰፊሕ መርበባት ዝነበረ ብፍላይ ከኣ ምስቲ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ጥርኑፍ ኣሕዋት ኣስላም ሓሰን ኣልቱራቢ ዝበሃል ሱዳናዊ ዝመርሖ እስላማዊ ምንቅስቓስ ጽቡቕ ምትእሣር ከምዝነበሮ ይገልጽ። ሓሰን ኣልቱራቢ መራሒ ኣሕዋት እስላም ኣብ ሱዳን ኮይኑ ንዑመር ኣልበሽር ኣብ መወዳእታ 198ታት ናብ ስልጣን ክመጽእ ዓቢ ተራ ዝነበሮን ድሒሩ ድማ ንዑሳማ ቢን ላዲን ንጉስ ሱዕዳያ ካብ ሃገሩ ክወጽእ ምስ ገደዶ ብተጽዕኖ ኣልቱራቢ ኣብ ልዕሊ ዑመር ኣልበሽር ንሱዳን ክመጽእ ዘጣጠሐንዩ።
ድሕሪ ስዕረት ቅያድ ኣልዓማ ነሓሰ 1981 ንጹር ምንቅስቃሳት ኣሕዋት ኣስላም ኤርትራ
ሱሙር ውድብ ሰለስተ እስላማውያን ጉጅለታት ብ1982 ኣብ ሱዕዳያዝተገብረ ኣኸባ ዝተመስረተ ውድብ ኮይኑ ጉጅለ ሳበ፡ ዓብደላ እድሪስ ጉጅለ ዓጂብን ኮይኑ ድሒሩ ናብ ዝተፈላለየ ካልእ ጉጅለታት ዝተመቓቕለዩ። ንምጥቃስ፡ጉጅለ፡ዑመር ኣልቡራጅ፡ጉጅለ ሳልሕ ኢያይ፡ጉጅለ ዓሊ መሓመድ ስዒድ፡ሰውራዊ ባይቶ ጉጅለ ኣሕመድ ናስር፡ኤርትራዊ ድዲሞክራሲ፡እስላማዊ ግንባር ኤርትራ ጉጅለ ዑመር ሓጅ እድሪስ ኣብ ሱዕድያ ዝቕመት ዝነበረ ወኪሉ ኣድም ዋጅራይ ኣብ ሱዳን ኣብ ከተማ ከሰላ ዋህዮታትን ጨናፍራትን ብምምስራት ዕላሙኡ ቁዱስ ጀሃድ ምክያድ ዝብል ዝንበረ።ጉጅለ ዓብደላ እድሪስ ዝበሃል እቲ ኣብ ምጽናት ትግርኛ ኣብ ቅያድ ኣልዓማ ዝለዓለ ተራ ዝነበረ ተሳዒርሩ ኣብ ሱዳን ምስ ኣተወ ኣብ መጀመርያ 199ታት ጀሚሩ ኣብ መዓስከራት ታህዳይን ኮረኮርን ኮይኑ ብሓሰን ኣልቱራቢ ናይ ኣሕዋት ኣስላም ኣብ ሱዳን መርሒ እንዳ ተመወለ ኣብ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ህዝብና እልቢ ዘይብሉ ሽበረታት ዝፈጸመዩ።
መሪሕ (ኣልዋርድ) ኤርትራውያን ኣስላም ዝብል ካልእ ጉጅለ ብሓምድ ቱርኳይ፡ ኢብራሂም እድሪስ፡ ኢብራሂም ዓሊ ኑር፡ ኣሕመድ በሽር ግንደፋልን እዮም። ካለኦት ኣሕዋት ኣስላም ጉጅለታት ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ዝነበራ ኣስማተን:-ኣልኒቓዝ ኣልሙስታዕዱፋን ኣሊስላምያ ኤረትርያ፡ኣልሽባብ ኣልእስላምያ፡ለጅና ኣልመወፈኢቕ ኣልስላምያ ፊ፡መንጠቓ ሰምስም፡ኣልቘርባእ እዚኦምን ካሎትን ንዓሰርታት ዓመታት ኣንጻር ትግርኛ ባህላውን፡ ኣካላውን ኣብ ከም በዓል ተሰነይን ባረንቱን ህግደፍ ሓምሻይ መስርዕ ኢሉ ንዓና ንምድንጋር ካልእ ስም ዘትጠመቖም ንትግርኛ ንምጽናት ዘይገበሮ ኣይነበረን። ድሒሮም ከኣ ነቲ ኣስማቶም ድሞክራሲ ዝብል ብቕድሚት ለቂቦም መቐጸልታ እቲ ኣካላዊ ሽበራ ንዓሰተታት ዓመታት ትግርኛ መጻእተኛ ካብ ላስታ ከምዝኾነ ኣዘንትዮም ጽሒፎምን።
ስርሒት ፎርቶን ዓሊ ዓብዱን 2012
ስርሒት ፎርቶ ብደገ ብሓይሊ ገንዘብ ኣሕዋት ኣስላም ዝድግፋ ሃገራት እንዳተመወለ ካብ ዓሊ ዓብዱ ሓበሬታ ካብ ማእከል ኣስመራ እንዳተቀበለ ንኮሎኔል ሰይድ ዓሊ ሓጃይ (ወይ ወዲ ዓሊ)፡ኮሎኔል ሳልሕ ዑስማን ኣመሓዳሪ ዞ ደቡብ ነበር ሙስጦፋ ኑርሑሴን ዝየፈተነ ብስርሖት ፎርቶ ኢሎም ዝገልጽዎ ናይ ኣሕዋት ኣስላም ፈተነ ፈሺሉ ገሊኦም ተረሺኖም ገሊኦም ከኣ ኣብ ትሕቲ ሞዓሙቕ ምድሪ ኣትዮም። እዚ ዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስማራ ከካይዶ ዝሓሰበ ሽበራ ድሮ እሰያስ ብውሽጢ ጀበርቲ ዝመርሕዎ ናይ ኣሕዋት ኣስላም ውዳቤታት ከኣ ብደገ ነዚ ትግርኛ ተዳኺሙ እዋኑ ዝጠልቦ ኔርትራ ክቆጻጸርሉ ዝክእሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩዩ ብምባልንዩ እቲ ሽበራ ተፈጺሙ። ኣንድነታዊ እሰያስ ብስም ሓድነት ምህናጽ ዝብል ፍሹል ፖለቲካዊ ውጥኑ ንህዝብና ብድኽነት፡ ድንቁርናን ተነጽሎን ናይ ጽንተት መስርሕ ኣብ ልዕለና ስለዘካየደ ካብ ሶማል ዘመጹ ጀበርትን ካሎኦት ውሑዳት ቀቢላታትን ንዒቖምናስ ኣብታ ሃገረ ታቦትን ቅድስቲ ምሬትን ናይ እስላማዊ ስርሒት ከተኣንግድ በቒዓ።
ኣልናህዳን ተመሃሮ ደያእ ኣልስላምያን ኣኽርያ
ኣልናህዳ ቤት ጽሕፈት ኣብ ቱርኲ ኮይኑ ብዘተፈላለዩ እስላማውያን ጥርናፈታትን ሃገራትን ከም በዓል ቀጠርን ቱርክን ዝድገፍ ዝነበረ ኣካል እቲ ብሽበራ ዝፍለጥ ኣህጉራዊ ኣሕዋት ኣስልም ንዓለም ናብ እስላም ንምልዋጥ ዝንቀሳቐስ ተመሳሳሊ ውጥን ዘለዎ እዩ። ቤት ትምህርቲ ደያእ ኣልስላምያ ኣብቲ ናይ ትግርኛ ከተማ ኩሉ ካሊክረም ትምህርቱ ኣብ ሸሪዓ ቁራንን ዘተሞርኮሰን ምስቲ ናይ ደገ ኣሕዋት ኣስላም ወይ ኣልናሃዳ ፕለቲካውን ገንዘባውን ድጎማ እንዳተገብረሉ ሓያል ምትእሣር ዝነበሮን ብምክንያት ምእሳር ሓጂ ሙሳ ዝበሃል ኣብ ማእከል ከተማና ኣስመራ ጡርኑፍ እስላማ ምንቅስቓሳት ኣብ ዝገበረሉ እዋን ብሰራዊትና ተቐርሲሙ ዓዲ ካብ ዝወዓለ መንጸበራቕ ናይቲ ጥርኑፍ እስላማዊ ጉጅለ ናይ ኤርትራ'ዩ።ሕጽር ብዝበለ ናይ ኤርትራ እስላማውያን ጥርናፈታት ካብ ኣርባዓታት ክሳብ ሕጂ ኣካል እቲ ኣህጉራዊ ጥርናፈ ኣሕዋት ኣስላም ኮይኖም ንዓለም እስላማዊ ንምግባር ካብዝቃለሱ ጉጅለታት እዮም። ስለዚ ጉዳዮም ቀሊልን ዘይፍትሓውን ዘይሞሮላውንዩ። እዞም ጉጅለ ኣብ ግዜ እሰያስ ዝነበሮም ሕንቅቐን ንዑኡ ተጠቂሞም ኣብ ሎዕለና ዘራይዎ ንዕቀትን ሳዕቤናቱን ደጊሙ ዘክሰተሉ መንገዲ ክንክተል ኢና። ዜግነቶም ኣሕዲግካ ናብ ዝድለዎ እስላማውያን ሃገራት ምጥራዝ።
ኣጋዝያን
ንሕና ኣብዛ ቅድስቲ ሃገርና ዘይተመለሰ ሕቶ ሕቶ ዋንነት ኣሎና ነዚ ድማ ከምዝኾነ ካልእ ሓብረተሰብ ኣብዛ ዓለም ናይ ወደባነት ሕጋዊ መሰሉ ተጠቂሙ ዘርጋግጾን ዝፍጽሞን ድሕሪ እዚ ሽለትን ድሑርን ኣንድነታዊ እሰያስ ናይ ዝኾነ ፍቓድ ከይሓተትና ኤርትራ ናይ ትግርኛ ሃገረ መንግስቲ ክንገብራ ኢና። ፖለቲካውን ቁጠባውን ስልጣን ብጥቃም ከኣ ሃገርና ሃብታም፡ ውሕስቲ፡ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነግሰላ ደሞክረሳውትን ንውልቅን ንእኩብን እተኽብር ብምግባር ክብረታ ክንመልሶ ኢና።
ብርእሰተኣማንነት ክንፍጽሞ ሙዃና ሑሉፍ ተሪኽና ከምዝምስክሮ መጠን ኣብ ርእሲ'ዚ ሕቶና ኣብዛ ሃገር ንጹር፡ ሕጋዊ፡ሞሮላዊ ቁኑዕን ከም ሙዃኑ መጠን ኣይኮነን ንሕና ጸላእትና ውን ተጠራጢሮም ኣይፈልጡን
