ትንተነ
መዘዝ ናይቲ ዘየቃርጽ ኩናት ሃገርና
እቲ ዘይውዳእ ኩናት ሃገርና ኣብ ክሕብረተሰባውን ውቁጠባውን፡ ከባብያውን ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት የውርደልና ኣሎ።
ኣስመሮም ተስፋሁነይ

ኣብ ታሪክ ህዝብና ብሓፈሻ ክንርኢ ከለና ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ካብ ኩናትን ወራራትን ዕግርግርን የዕሪፍና ሰላም ረኪብና ዝነበርናሉ ዘበን ዳርጋ የለን። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት መሬትናን መንነትናን ታሪክናን ንምዕቃብን ቀጻልነትና ንብውሓስን ዝተፈላለዩ ቃልስታትን መስዋእትን ዋጋን እንዳከፈልና ኢና መጺና። ንግዚኡ ኣብዚ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ዝተገብረ ቃልስን ኩነታትናን ምስ ነተኩር ጥራይ ከመይ ዝበለ መሪር ሂወት ነሐልፍ ኣለና ነጋሪ ዘድዮ ኣይመስለንን።
ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈላለዩ ካለኦት ረቃሒታት እካ እንተነበርዎ እቲ ቀንዲ ዝተቃለሰሉን ዝተዋደቀሉን ዕላማታት ግን ፍሉጥ ኢዩ ኔሩ።ገለ ካብቶም ደረኽቲ ምክንያት ከኣ ምፍርራስ ፈደረሽን ምጉባጥ ብኢትዮጵያን ምቅያር ቃንቃ ትግርኛ ብምሓርኛ ማለት ኣብ ስዓተ ትምህርቲ፡ቤት ፍርዲ፡ናይ ስራሕ ቃንቃ፡ ምምንጥል መሰል ርእሰ ምሕደራ ርእሰ ውሳኔን፡ ምውራድ ባንዴራን ኢዮም።ንሕና ብቃንቃና ንመሓደር፡ ብሕግና ንዳነ ኣብ ምሬትናን ሃገርናን ከኣ ባዕልና ንውስን ብዝመረጽናዮ ንምራሕን ብዝብል ቅቡል ዕላማ ከኣ መሪር ቃልሲ ክቃለሰን ብዙሕ መስዋእትን ስንክልናን ክከፍልን ተገዲዱ ኢዩ።ይኩኹን እምበር ድሕሪቲ ነዊሕ ቃልሲ ንጸላእቱ ስዒሩ ልእላዊት ሃገር ክትህልዎ ምኽኣሉ ከም ዝሓሰቦ ኣይኮነሉን።
ድሕሪ ናጽነት ህዝብና ነቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ጠለባቱ ክፍጸመሉን ሃገሩ ሰላም ኮይና ናብ ስራሕ ዓለም ኣትዩ ክዓብን ዓዱ ከማዕብልን ቁስሉ የሕውዩ ናብ ዝሓሸ መጻኢ ክሰጋገር ብምሉእ ተስፋን ሞራልን ሰናይ ድሌትን እጅጉኡ ሰብሲቡ ክብገስ ጀሚሩ ኔሩ ኢዩ።ይኹን እምበር እዚ ኩኩ ትምኒትን ድሌትን ኣብቲ ሓፋሽ ህዝብን ኣብቶም ነቲ ህዝቢ ዝሓልዩን ዝሓልምሉን ጥራይ ደኣምበር ኣብቶም ካብ ቀደሙ ውን ኣብቲ ቅዱስ ዕላማ ተሓቢኦም ናይ ባዕሎም ድሌት ከፈጽሙ ዝደልዩ ጸረ ረብሓ ህዝብና ዝዓጠቁን ጉጅለታትሲ ኣይነበረን።ከም መርኣያ ናይዚ ከኣ እቶም ቅኑዓት ንስራሕን ንመስዋእትን ዋጋ እንዳከፈሉ፡ገሊኣ ከኣ ብጉጅለታት ትጠራነፍን ብዛዕባ ምቁጻጻር ስልጣንን ኢያ ትሓስብን ትሰርሕን ኔራ።ነዚ ኩሉ ንምፍጻም ከኣ ገና ናብ ቃልሲ ዝተጸምበሩ ዓበይትን ምሁራትን ለባማትን ደቂ ህዝቢ ብሽማሽም እንዳጥፈኣት ምሉእ ብምሉእ ስልጣን ብሒታቶ ኢያ ናጽነት ዝተረጋገጸ።
ዕላማ ናይዛ ጉጅለ እምበኣር ድሕሪ ናጽነት ህዝብና ዝሓስቦን ዝብህጎን ዝመነዮን ዝነበረ ሂወት ክነብርን ዝተቃለሰሉ ዕላማ ክፍጸመሉን ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ካልእ ጥፋኣትን ዕንወትን ጽንተትን ክኣቱ ንሳ ከኣ ንህዝቢ ኣድኪኻን ኣደንቁርካን ብስነልቦናውን ንኩሉ ሰብ ብወተሃደራዊ ስርዓተ ምሕደራ ከምዝህነጽ ብምግባርን ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ስልጣን ምቅጻል ኢዩ ኔሩ።ነዚ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ሪኢናዮን ንርእዮ ኣለናን።
ኣብ ፈለማ 1990ታት ጎኒ ጎኒቲ ምቃም መንግስትን ረፈረንዶምን ኣብ ምጥያስን ዳግመ ሕውየት ህዝብናን ሃገርናን ብዓቢኡ ከኣ ስድራ ስዋኣትን ስንኩላንን ተጋደትን ኣብ ክንዲ ብቅንዕና ምእታውን ምሉእ ሓይሊ ህዝብን ሃገርን ተጠቀምካ ሰሪሕካ ህዝብካ በብዝክእሎ ዓቅሚ ክሰርሕ ምግባር ኣብ ክፋእን ተንኮልን ብፍጹም ክግመት ዘይከኣል ምጥልላፍን ዓፈናን ወፊራ ነቲ ዝነበረ ተበጉሶታት ክትኮላልፍን ክትዕንቅፍን መገድታት ክትዓጹን ጀሚራ። እዚ እቲ ቀዳማይ ኣብ ትዕዝብቲ ህዝብናን ተጋደልትን ክትኣቱ ጌርዋ ጥራይ ዘይኮነስ ብዙሕ መረረታትን ተቃውሞታትን ውን ኣስዒቡ ኢዩ።ብዓቢኡ ኣድማ ተጋደልትን ስንኩላንን ካብቲ ዝጥቀስ ኢዩ። ዝህቢ ውን ክውዛገብን ክጠራጠርን ክስከፍን ጀሚሩ ኢዩ።ነዚ ብዝግባእ ዘንበበት እዛ ጉጅለ እምበኣር ነቲ ዝነበረ ሓይሊ መንእሰይ ኣብ ጥንኩር ወተሃደራዊ ወፍርታትን ኣገልግሎታትን ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ማእቶትን ጅሆ ብመሓዝ ነተን ንናጽነት ዝተኣውደቃ መንእሰያት ተጋድቲ ከኣ ናብ ስደት ብጅምላ ክድምና ንክሰርሓ ናብ ሃገርት ዓረብ መገዲ ብምጥጣሕ ክትሽጠን ጀሚራ ኢያ።
ነቲ ተቃሊሱ ደሙ ከፊሉ ኣብ ሃገሩ ኮሪዑ ክነብርን ክሰርሕን ሃብቲ ክፈጥርን ዝጽበ ዝነበረ መንእሰይን ነቲ ኣብ ዓዲ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዝጸንሐን መንእሰይን ከኣ ብጉልባብ ማእቶትን ኣገልግሎትን ኣብ ሓደ መስርዕ ብምእካብ ብምንታይ ተጥፈኦን ተባክኖት ክትሓስብን ተንኮላት ክትኣልምን ስርሐይ ኢላ ተተሓሒዛቶ።ነዚ ሕልሚዚ ንምትግባር እቲ ቀዳማይ ኣማራጺ ኮይኑ ዝረከበቶ ከኣ ወተሃደራዊ ጨካን ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተኪልካ ንኩሉ ትካልት ኣብ ትሒቲ ምሉእ ቁጽጽር ብምእታው ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣብዚ ደልሃመትዚ ካኣቱን በዚ ክሓልፍን ምግባር፡ እዚ ማለት ከኣ ንኩሉ ዓቅምን ብቅዓትን ፍልጠትን ኣተሓሳስባን መንእሰያት ንዓኣ ብዘገልግልን ብዝጥዕምን ጌርካ ምስራሕ፡ ነዚ ክውን ንከውን ከኣ ቀጻሊ ኩናትን ዘይውዳእ ስግኣትን ምፍጥር፡ ካብ ኩሉ ዓይነት ሓብሬታን ፍልጠትን ሃብትን ምርሓቅ ኢዩ።ንኩሉ ትካላት ውልቂ ብምዕናውን ብምህጋርን ከኣ እቲ ካልእ ኣብቲ ህዝቢ ዝተፈጸመ ቁጠባውን ማሕበራውን ሕጽረት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ክስእንን ከይረክብን ዝገበረ ኢዩ።
ስለዚ ነዚ ንምስሳኣይ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ብምክንዩን ዘይምክንዩን ብቀሊሉ ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ክፍታሕ ዝግባእን ብቀንዱውን ናብ ጎንጺ ከኣቱ ኣብ ዘይግበኦ ነገራት ክተፋነንን ነቲ ህዝቢ ስጋኣት ክስመዖ ብምግባር መዓልታዊ ፕሮፖጋንዳ ብምንዛሕ ናብ ኩናት ከምዝዳሎ ምግባሪዩ።ንኩሉ ዝጋጠመን ዘጋጥም ዘሎን ነፍሲ ወከፍ ኩናት ኣብ ካልእ ግዜ ክንትንትኖ ኢና እቲ ስልትን ዓይነትን ግን ሓደ ኢዩ። ጸላእትን ፈተውትን እንዳቀያየርካ ነዚ ህዝቢ ኣብ ቀጻሊ ኩናትን ወረ ኩናትን ክነብር ምንባር ኢዩ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝፍጠር ኩናት ከኣ ብማኢት ኣሽሓት ሂወትን ስንክልናን እንዳከፈልና፡ ብሚልዮናት ዝቁጸር ህዝቢ ኣብ ሓዘንን ዝክትምናን ድክነትን እንዳወደቅና ከቢድ ዋጋ እንዳከፈልና ንነብር ኣለና። እዚ ዘምጸኦ ሳዕቤን ከኣ ክንስደድን ክንበታተንን ተገዲድና። መዓስ እዚ ጥራይ ኣብ ውሽጢ ሃገርናውን ካብን ናብን ተንቀሳቂስና ከይንሰርሕን ስራሕ ከይፍጠረልናን ተከልኪልና።
ሕጂ ከኣ ኩናት መጺናሞ ተዳሎ ኢሎም ህዝብና ክተት እንዳበሉ የሸብርዎ ኣለው። ተወስኺ መስዋእትን ስንክልናን ሓዘንን ዝክትምናን ክንሪኢ ማለትዩ።
ስለዚ ህዝብና መንዩ ጸላኢኡ ክፈልጥ ኣለዎ። ካብ ዓለም ተነጺልካ ክንድዚ በደል ተሰኪምካ ክትቅጽል ዝከኣል ኣይከኣልንዩሞ ኢደይ ኢድካ ኢልና ህዝብናን ሃገርናን ነድሕን።
