ሕብረተሰብ
ምጽናት ዓሌት ህዝቢ ትግርኛ ብመንጽር ኣህጉራዊ ሕግታት
ምጽናት ዓሌት ህዝቢ ትግርኛ ብመንጽር ኣህጉራዊ ሕግታት ኣብ መወዳእታ መበል 20 ክፍለ-ዘመን፣ ዓለም ካብቲ ዘሰካሕኽሕ ታሪኽ ህልቂት ኣይሁድ ተማሂራ፣ "ደጊሙ ኣይፍጸምን" ብዝብል መትከል ነቲ ብ1948 ዝጸደቐ "ውዕል ምክልኻልን መቕጻዕትን ገበን ምጽናት ዓሌት" ኣጽዲቓቶ እያ።
ኣሳናዳኢ

ምጽናት ዓሌት ህዝቢ ትግርኛ ብመንጽር ኣህጉራዊ ሕግታት
ኣብ መወዳእታ መበል 20 ክፍለ-ዘመን፣ ዓለም ካብቲ ዘሰካሕኽሕ ታሪኽ ህልቂት ኣይሁድ ተማሂራ፣ "ደጊሙ ኣይፍጸምን" ብዝብል መትከል ነቲ ብ1948 ዝጸደቐ "ውዕል ምክልኻልን መቕጻዕትን ገበን ምጽናት ዓሌት" ኣጽዲቓቶ እያ። ይኹን እምበር፣ እዚ መትከል ኣብ ሃገርና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግርኛ፣ ብተዘዋዋሪን ብስልታውን መገዲ ብኣንድነታዊ ኢሰያስ ይጥሓስ ኣሎ። ኣንድነታዊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዘካየዶ ፖሊሲታት ምጽናት ዓሌት፣ ንህዝቢ ትግርኛ ብስነ-ህዝባዊ፣ ብባህላዊን ብኣካላዊን መዳይ ንምጥፋእ ዝዓለመ ሰላሕታዊ ሜላ መጥቃዕቲ ምዃኑ ዘርእዩ ሓያላት ሕጋዊ መርትዖታት ኣለዉ። እዚ ጽሑፍ እዚ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ምስቶም ሓሙሽተ ቀንዲ ኣህጉራዊ ሕግታት ብምንጽጻር ብዝርዝር ይትንትን።
1. ውዕል ምክልኻልን መቕጻዕትን ምጽናት ዓሌት (1948 Genocide Convention)
እዚ ውዕል እዚ፡ ምጽናት ዓሌት (Genocide) "ናይ ገበናት ገበን" ተባሂሉ ንክጽዋዕ ዝገበረ ቀዳማይ ኣህጉራዊ ሕጊ እዩ። ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ትግርኛ ዘለዎ ዓቢ ትርጉም በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ይግለጽ፦
እቲ "ፍሉይ ውጥን" (Specific Intent)፦ እዚ ሕጊ እዚ፡ ሓደ ስርዓት ንሰባት ስለ ዝጸልኦም ጥራይ ምቕታል ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝቐትሎ ዘሎ "ጉጅለ" (ንኣብነት ህዝቢ ትግርኛ) ከም ሓደ ኣካል ኣጥፊኡ ንከይህሉ ብውጥን ምስ ዝሰርሕ እዩ ምጽናት ዓሌት ዝብል ሕጋዊ ስም ዝህቦ። ስርዓት ኢሰያስ ነቲ ድኻ ከተመኛን ሓረስታይን ትግርኛ ካብ ስሩ ንምምዛዝ ዝጥቀመሉ ዘሎ ስልቲ፡ ነዚ ውጥን እዚ የረጋግጽ።ኣብዛ ሃገር ትግርኛ
"ብኽፋል" ናይ ምጥፋእ ትርጉም፦ ምጽናት ዓሌት ንምባል ንኹሉ እቲ ህዝቢ ምቕታል ኣየድልን። ነቶም ንመጻኢ እቲ ህዝቢ ወሰንቲ ዝኾኑ ኣካላት (ንኣብነት ምሁራት፡ መራሕቲ፡ ወይ ሓይልታት መንእሰይ) ፈሊኻ ምጥቃዕ፡ ነቲ ህዝቢ "ብኸፊል" ንምጥፋእ ከም ዝተገብረ ውጥን ይቁጸር።
ምዕጋት ውልደት (Preventing Births)፦ እዚ ሕጊ እዚ (ዓንቀጽ 2-d)፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ጉጅለ ውልደት ንከይህሉ ዝዓግቱ ስጉምትታት ምውሳድ ከም ምጽናት ዓሌት ይቆጽሮ። መንእሰያት ትግርኛ ኣብ ባርነት ሳዋን ግንባራትን ተሓጺሮም፡ ክመራዓዉን ክወልዱን ከይተዓደሉ ዕድሚኦም ክሓልፍ ምግባር፡ ነዚ ሕጊ እዚ ብንጹር ዝጥሕስ እዩ።
2. ስርዓተ-ሕጊ ሮማ (Rome Statute)
እዚ ሕጊ እዚ ነቲ ኣብ ዘ-ሃግ (The Hague) ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ዘቖመ ኮይኑ፣ ካብቲ ናይ 1948 ውዕል ብዝሰፈሐ መገዲ ንኸበድቲ ገበናት ብንጹር ይትንትን። ኣብ ሃገርና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግርኛ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ምስዚ ሕጊ እዚ ብምዝማድ በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ክርአ ይከኣል፦
ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት፦ እዚ ሕጊ እዚ፣ ሓደ መጥቃዕቲ ስልታዊን ሰፊሕን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ምስ ዝፍጸም፣ ከም ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይግለጽ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ስልታዊ ምስዋር ወይ ምጭዋይ ዜጋታት ፣ ግዱድ ምስጓግ ወይ ንህዝቢ ካብ ዓዱ ንክሃድም ዝገብር ፖሊሲ፣ ሓደ ካብቶም ከበድቲ ገበናት እዚ ውዕል እዩ። እቲ ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ዘሎ ህዝቢ ትግርኛ፣ ኣብ ትሕቲ ናይ ኩናት ወረን ራዕድን ተሾቕሪሩ ንክነብር ብምግባር፣ እቲ ማሕበረሰብ ናይ ምሕሳብን ናይ ምውዳብን ዓቕሙ ንክጠፍእ ተገይሩ እዩ።
ምጽናት ዓሌት ብመልክዕ ምስጓግን ምምዝባልን፦ ብመሰረት ስርዓተ-ሕጊ ሮማ፣ ንሓደ ህዝቢ ካብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ መሬት ብሓይሊ ወይ ብጭቆና ንክሃድም ምግባር ሓደ መልክዕ ጽንተት እዩ። እቲ ሓረስታይ ትግርኛ ካብቲ ወለዶታት ዝተቐመጠሉ መሬት "ናይ መንግስቲ እዩ" ብዝብል ምስምስ ተመንጢሉ ንክስደድ ምግባሩ፣ ነዚ ዓንቀጽ እዚ ብንጹር ዝጥሕስ ስልታዊ ጥፍኣት እዩ።
ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ጽንተት፦ እታ ካብ ሓረስታይን ድኻ ከተመኛ ስድራቤት ዝወጸት ጓል ትግርኛ፣ ኣብ ሳዋን ወተሃደራዊ መዓስከራትን ብስልታዊ መገዲ ጾታዊ ዓመጽ ይወርዳ። እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ፣ ንመንነትን ክብረትን ሓደ ህዝቢ ንምድቃስ ዝዓለመ ስልታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነ ይገልጽ። ልክዕ ቤት ፍርዲ ሩዋንዳ (ICTR) ከም ዝወሰኖ፣ ጾታዊ ዓመጽ ውልቃዊ ገበን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከም ሓደ መሳርሒ ምጽናት ዓሌት እዩ ዝቁጸር።
ተሓታቲነት ውልቀ-ሰባትን መራሕትን፦ እዚ ሕጊ እዚ ፍሉይ ዝገብሮ፣ "መራሒ ሃገር እየ" ወይ "ትእዛዝ ስለ ዝተቐበልኩ እየ" ዝብል ምስምስ ፈጺሙ ኣይቕበልን እዩ። ዝኾነ ገበን ዝፈጸመ ወይ ትእዛዝ ዝሃበ ውልቀ-ሰብ፣ ንኣብነት ከም ኣንድነታዊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝኣመሰሉ መራሕቲ፣ ካብ ተሓታትነት ዘምልጥሉ ሕጋዊ ባይታ የለን። ዝኾነ ዜጋ ትግርኛ ዝወረዶ ግፍዒ ብስም ዝርዝርን ብመርትዖን ምስ ዝስነድ፣ ነዞም ገበነኛታት ናብዚ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ዓቢ መተካእታ ዘይብሉን ሕጋዊ መገዲ እዩ።
3. ኣህጉራዊ ውዕል ሲቪላዊን ፖለቲካዊን መሰላት (ICCPR)
እዚ ውዕል እዚ ዜጋታት ካብ መንግስቶም ክረኽብዎ ዝግባእ መሰረታዊ መሰል ህይወትን ናጽነትን የውሕስ። ስርዓት ኢሰያስ ግን "ንጥፍኣት እቲ ጉጅለ ዝዓለመ ኩነታት ናብራ ምፍጣር" ዝብል ዓንቀጽ ብምጥሓስ፣ ንህዝቢ ትግርኛ ቁጠባዊ ዓፈና የውርደሉ ኣሎ።
እቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንመንእሰያት ትግርኛ ካብ ፍርያምነትን ካብ ምጥያሽ ስድራቤትን ይዓግቶም። እቲ ሓረስታይ ትግርኛ ካብቲ ወለዶታት ዝተቐመጠሉ መሬት "ናይ መንግስቲ እዩ" ብዝብል ምስምስ የፈናቕሎ። መሬት ንሓረስታይ ትግርኛ ህይወቱ እዩ፤ መሬት ምስ ዝጠፍእ፣ ቁጠባዊ ዓቕሙ ይፈርስ፣ መንነቱ ይሃስስ፣ ህላወኡ ድማ ኣብ ሓደጋ ይወድቅ። እዚ ብውጥን ዝተገብረ ናይ ድኽነት መጻወድያ ሓደ መልክዕ ምጽናት ዓሌት ኮይኑ፣ ነቲ ህዝቢ ብቁጠባ ክደክይን ናብ ስደት ንክውሕዝን ይገብሮ።
4. ኣህጉራዊ ውዕል ንምውጋድ ኩሉ ዓይነት ዓሌታዊ ኣፈላላይ (ICERD)
ምጽናት ዓሌት መብዛሕትኡ ግዜ ብዓሌታዊ ጽልእን ኣፈላላይን እዩ ዝጅምር። ኣብ ኤርትራ፣ ህዝቢ ትግርኛ ጥራይ ትኹረት ዝገበረ ምጽናት ዓሌት፣ ብባህላዊን ስነ-ህዝባዊን መዳይ ንክጸንት ዝተገብረ ስልታዊ ስጉምቲ ኣዝዩ ረዚን እዩ። እቶም ክወልዱን ክመራዓዉን ዝግበኦም መንእሰያት ኣብ ሳዋን ኣብ ግንባራትን ተሓጺሮም ንዓመታት ይውዕሉ፤ እቶም ካልኦት ድማ ኣብ ሲናይን ባሕርን ይጠፍኡ።
እቲ ኣብ ገጠር ዝተረፈ ሓረስታይ ወላዲ፣ ሓመድ ድበ ዝኸውን ውሉድ ስኢኑ ቤቱ ይዕጾ ኣሎ። እዚ ንሓደ ወለዶ ምስ ስድራቤቱ ከይተራኸበ ብምግባር፣ ውልደት ንከይህሉ ዝዓግት ስልታዊ ጥፍኣት እዩ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ መንእሰያት ንክስደዱ ምግባር፣ ነቲ "ብኸፊል ናይ ምጥፋእ" ዝብል ሕጋዊ ትርጉም የማልኦ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካምቦድያ ዝነበረ ባህላዊ ምጽናት፣ እቲ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት ንቋንቋ፣ ንሃይማኖትን ንባህልን ህዝቢ ትግርኛ ናይ ምጥፋእ ዕላማ ኣለዎ።
5. ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ (IHL / Geneva Conventions)
እዚ ሕጊ እዚ ኣብ እዋን ውግእን ግጭትን ንሰላማዊ ህዝቢ ንምክልኻል ዝቖመ እዩ። ስርዓት ኢሰያስ ግን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግርኛ ዝፍጸሞ ዘሎ ግፍዒ፣ ምስቲ ኣብ ርዋንዳ ዝነበረ ናይ ደም ምጽናት ዓሌት ብመልክዑ ተፈልዩ እንተዘይኮይኑ፣ ብውጽኢቱ ተመሳሳሊ እዩ። ቤት ፍርዲ ዩጎዝላቭያ (ICTY) ንሓደ ህዝቢ ብጥሜትን ብምምዝባልን ንክጠፍእ ምግባር ከም ምጽናት ዓሌት ፈሪድዎ እዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ምስውዋር ዓበይቲ ዓዲ፣ ምሁራትን ሃይማኖታውያን ትግርኛ ምስቲ ኣብ ስረብረኒጻ (Srebrenica) ዝተፈጸመ ስልታዊ ቕንጸላ ተመሳሳሊ መልክዕ ኣለዎ።
መደምደምታ
ምጽናት ህዝቢ ትግርኛ፣ ብቐጥታ ካብ ዝፍጸም ጅምላዊ ቅትለት ሓሊፉ፣ ንመሰረት ህላወ እቲ ህዝቢ ዘጥፍእ ስልታዊን ስነ-ህዝባውን ህልቂት እዩ። እቲ ስርዓት ንመንእሰያት ብባርነት ብምብታን፣ ንዓበይቲ ብድኽነት ብምቕያድን፣ ንዜጋታት ትግርኛ ብምስዋርን፣ ነቲ ህዝቢ ኣብ ታሪኽ ከም ዘይነበረ ገይሩ ንምጥፋእ ይሰርሕ ኣሎ። ኤርትራ እኳ ኣባል ICC እንተዘይኮነት፣ ነቲ ናይ 1948 ውዕል ምጽናት ዓሌት ግን ፈሪማቶ እያ። እዚ ማለት ዝኾነት ሃገር ንኣንድነታዊ ኢሰያስ ኣብ ትሕቲ "ኣድማሳዊ ስልጣን ፍርዲ" (Universal Jurisdiction) ክትከሶ ሕጋዊ መሰል ኣለዋ።
ስለዚ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ሕጋዊ ትካላትን፣ ነዚ ኣብ ህዝቢ ትግርኛ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ካብቲ ልሙድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝብል ቃና ወጺኦም፣ ከም ምጽናት ዓሌት ክርእይዎ ይግባእ። ፍትሒ ንምምጻእ ድማ፣ እቲ ቃልሲ ካብ ስምዒታዊ ድርኺት ወጺኡ ናብ ሕጋዊ መርትዖታትን ስልታዊ ክሲታትን ክሰጋገር ግድን እዩ። ስቓይ ህዝቢ ትግርኛ ደው ዝብል፣ ህዝቢ ትግርኛ ብኣንድነታዊ ኢሰያስ ሰላሕታዊ ምጽናት ዓሌት ይፍጸመሉ ከም ዘሎ ብምግላጽ እዩ።
