ፖለቲካ
ቅድመ ኩነት ቁጠባ ንዘይ ምፍጣር፡ ዞባዊ ምርግጋእ ዝብል ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ከም ቀንዲ ስትራተጂ ።
Daniel Gerekidan Temolso

ቅድመ ኩነት ቁጠባ ንዘይ ምፍጣር፡ ዞባዊ ምርግጋእ ዝብል ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ከም ቀንዲ ስትራተጂ ።
እሰያስ ስድሩኡን ምስ ምምጻእ ጥልያን ናብ ኤርትራ እዩ ዝጅምር ።ማለት ስድራ እሰያስ ካብቶም ከም ገዛእቲ ደርቢ ጥልያን ዝፈጠሮም ሊሂቓን እዮም። ንጹር ንክከውን እሰያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ሓጎስ እዩ ዝጽዋዕ።ራእሲ ሓጎስ ማለት ድሕሪ ሃጸይ የውሃንስ ምማቱ ንትግራይ ንምቁፃር ምስ ጥልያን ዝምድና ፈጢሮም ንራእሲ ኣሉላ ንምስዓር ውግእ ከፊቶም ኣብ መዳእቱኡ ራእሲ ኣሉላ ስዒርዎ ማለት ቀቲልዎ። ብድሕርዚ ንራእሲ ሓጎስ ሓደ ወዲ ነይርዎም ንሱ ከኣ ኣብርሃ ይበሃል።ኣብርሃ ሓጎስ ኣቡኡ ኣብቲ ምስ ራእሲ ኣሉላ ዝገበሮ ውግእ ተሳዒሩ ስለ ዝተቀትለ፡ ንባዕሉ ንኣብርሃ ውን ከይ ቀትልዎ ብምስጋእ ናብዛ ሕጂ ዘላ ኤርትራ ወይ ከኣ ናብ ኣስመራ ሃዲሙ፡ ጥልያን ከኣ ከም መርኣያ ኣቡኡ ራእሲ ሓጎስ ምስ ጥልያን ዝነበሮ ዝምድና ናይ ዑቕባ ሑቱኡ ተቀቢሎም ኣቡኡ ንክነብር ሓጊዘሞ።
ኣብርሃ ኣቦ ሓጉኡ ንእሰያስ እዩ ዝከውን ዘሎ ናይ ጥልያን ምስለነ ኮይኑ እንዳ እገልገለ እንከሎ መንበሪ ጠሳ ስለዘይተቀበለ ናብ ቁሸት እትበሃል ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘላ ከይዱ ጤሳ ምስ ሓተተ እቶም ዓዲ ግን ናይ ጤሳ ሕቱኡ ይነጽግዎ እሞ ጥልያን ከኣ ጤሳ ከም ዝህልዎ ይገብር።ኣብዚ ጤሳ መከልከሊኡ ምክንያታት ሰባት ንነናይ ባዕሎም ምክንያታት ይህቡ እዮም ኣነ ግን ንሱ ንጎድኒ ገዲፈዮ ኣለኩ።
ብድሕርዚ ኣብርሃ ራእሲ ሓጎስ ሓዳር ገይሮም ውላድ ወሊዶም ኣስማቶም ድማ ኣፍወርቂ፡ሰሎሞን፡ ሞኮነን ውዘተ ዝበሃሉ ወሊዶም።ካብዚኦም ኣቡኡ ንእሰያስ ኣፍወርቂ ንኣዳነሽ ኣዲኡ ንእሰያስ ተመርዕዩ ሓዳር ገይሩ ውላድ ወሊዶም ሓደ ካቡኡም እሰይስ ይበሃል ።ዓባዩኡ ንእሰያስ ይሓ እትውለድ መድህን(መድህን በራድ) ትበሃል።
ንእሰያስ ንፖለቲካዊ ኣረኣእዩኡን ወይ ኣጠማምቱኡን ከም መራሒ እሰያስ እንታይ ዓይነት ሰብ ክከውን ካብ ዝጸለዎኦ ኣተዓባብዩኡ እዩ።እሰያስ ምስ ዓባዩኡ ኣብ መስን ስዋን ዝሽየጠሉ ኣከባቢ ማለት ምስ መድህን በራድ እዩ ዓብዩ። እስያስ ኣብ እንዳ ሜስ እዩ ዓብዩ ሕጽር ብዝበለ።እዚ ዝፈጠሮ መሳቱኡ ወዲ መድህን በራድ ወዲ ጸማቂት ስዋ እንዳበሉ እዮም መሳቱኡን ብዕድመ ካቡኡ ብዝዓብዩ ከም መጸዊዒኡ ዝጥቀምሉ ነይሮም።
ፖለቲካዊ ኣጠማምቱኡ ከም ኢትዮጵያዊ
እሰያስ ስድሩኡን ከምቲ ኣብ ልዕል ኢለ ዝገለጽክዎ ምስ ምምጻእ ጥልያን ስድሩኡ ካብቶም ጥልያን ዝፈጠሮም ገዛእቲ ደርቢ እዮም። ኣቦ እሰያስን ሓውቦታቱን ኣካል ናይቲ ጥልያን ዝፈጠሮም ደርቢ ብሙካኖም ዕድል ናይ ትምህሪ ስለዝረከቡ ኣብ ፖለቲካ ክዋሱኡ ሙቹእ ዕድል ረኪቦም እዮም። ስለዝኮነ ከኣ ክልተ ሓውበታቱን ኣፍወርቂ ኣቡኡ ንእሰያስን ኣብቲ ወሳኒ ኤርትራ ድሕሪ ዝሑል ኩናት እንታይ ትኩን ዝብል ናብ ኢትዮጵያ ንምጽንባር ናይ ሃይለስላሴ የማናይ ኢድ ኮይኖም ኣብቲ ኢትዮጵያ ክንግዛእ ዝለዓለ ተራ ዝተጻወቱ ስድራቤት እዮም።ካብዚ ብምቅጻል ውን ካብቶም ክልተ ሓውበታቱ ሰሎምን ኣብርሃ ኣምሓዳሪ ክፍሊ ግዝኣት ዎሎ ኮይኑ ዘገልገለ ኣብ መወዳእታ ደርጊ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ካብቶም ቀንዲ ናይ ሃይለስላሴ ዝለዓለ ተጸውዕነት ዘለዎም ተባሂሎም ደርጊ ዝረሸኖም ሓደ እዩ።እቲ ካለኣይ ሓውቡኡ ሞኮነን ድማ ንሱ ውን ተመሳሳሊ ኣብ ዝለዓለ ናይ መንግስቲ ስራሕ ኣብ ግዜ ሃይለስላሴ ካብ ዝነበሩ ሓደዩ።እሰያስ ኣብ 197ታት መወዳእታ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ካብ ዝተገርብረ ርክብ ምስ ሰበስልጣን ደርጊ ናይ ሽዑ ወጻኢ ጉዳያት ብርሃነ ባየህ ተራኺቦም ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ፡ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ኣብ መጽሓፉ ከምዚ ይብል። እሰያስ ወይ እቲ ሰልፊ ነቲ ብምብራቕ ጀርመንን ሰበስልጣን ሲቭየት ሕብረትን ዝቐረበ በዓል ሰልስተ ነጥብታት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ተቐቢሎም ከም ዝመጹ የረጋግጽ።ፕረዚደንት ምብራቕ ጀርመን ነበር ኦሪሽ ሆኒከር ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ኤርትራን ሰውራ ኢትዮጵያን ብትሕዝቶን ዕላማን ሓደዮም ይብል። ስለዚ ክልቲኦም ወገናት ኣብዘን ነጥብታት ክሰማምዑ ከም ዘለዎም ይዛረብ
ሀ, ግዝያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ባይቶ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክሊ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ናጽነት ንምትግባር ሓሳባቱ ብኑጹር ዝውስነሉ ወግዓዊ መግለጺ ከውጽእ።
ለ, ሰውራ ኢትዮጵያ ዘየቋርጽ ውሑስ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዎን ንከተማታትን ወደባትን ኤርትራ ክቆጻጸር።
ሐ, ኣብ ክልቲኦም ዘለዉ ገስገስቲ ሓይልታት ይተሓናፈጹ።
መ, ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታት ንምትግባር ክልቲኦም ወገናት ናይ ሓባር ኮሚተ የቑሙ። ዝብልን ካልእን ዝሓቖፈ ምንባሩ ይገልጽ እሞ ደርጊ ግን ነቲ ኩነታት ብምምዝማዝ ብሓይሉ ንኽፈትሖ ምስ ተበገሰ ቡኡንቡኡ እቲ ርክብ ከምዘቀጸለ የተንብህ።
ብተመሰሳሊ ኣብ ካርቱም ከምቲ መስፍን ዝበሎን ኣቦይ ስብሓት ነጋ ዘረጋገጽዎን ወይ ዝደገምዎን ንእሰያስ ንመለስን እማመ ከም ዝቀረቦም፡ እሰያስ ከም መራሒ መለስ ከኣ ከም መከትል ኮይኖም ንኢትዮጵያ ክመርሕዋ እሰያስ ከኣ ከም ዝተቀበሎ ህወሓት ግን ከም ዝነጸገቶ።ካልእ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ት1990ታት መጀመርያ ዝነበረ መሰጋገሪ መድረኽ ናይ ኢትዮጵያ ንእሰያስ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝህሉ ፖለቲካውን ቁጠባው ርክብ ምስ ተሓተተ፡ ከምዚ ይብል ኣነ ክኸውን ኢለ ዝሓስቦ ብቁጠባዊ ወህደት ጀሚሩ ብፖለቲካዊ ውህደት ክዛዘም ተስፋ ይገብር ኢሉዩ ብዘይስክፍታ ተዛሪብዎ።
እዚ ከኣ'ዩ እቲ ቀንዲ ንእሰያስ ከም ኢቶጵያዊ ኮይኑ ክሓስብን ልዕሊ እቶም ንኢትዮጵያ ዝመርሕዋ ዘለዉ ኢትዮጵያ እንታይ ዓይነት ሃገር ክትከውን ከም ዘለዋን ንሰለሳ ዓመት ኣብ ስልጣን ዘሎ።
ስለምንታይ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ እሰያስ ካብ ቃልሲ ንልእላውነት ኣትሒዙ ዘይቅየር ቀዋሚ ኮይኑ።
እምበኣርከስ እሰያስ ዞባዊ ምርግጋእ ኢሉ ከም ሚስጥራዊ ኮድ ዝጥቀመሉ ኢትዮጵያ ማለትዩ። እሰያስ ዝብል ኢትዮጵያ ከይተረጋገአት ኤርትራ ቁጠባ ክትሃንጽ ኣይትኽእልንያ። እዚ ማለት ኤርትራ ቁጠባኣ ኣብ ኢትዮጵያ ሙርኩስ ዝገበረዩ ዝብል ክኸውን ከሎ ኤርትራ ናይ ቁጠበ ልእላውነት የብላን ማለትዩ። ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ናይ መብዛሕተአን ሃገራት ብፍላይ ከኣ ናይተን ሊበራል ደሞክራሲ ዝኽተላ ሃገራት ፖሊሲ ዋጺኢ እንተበዚሑ ኣኣብ ኣርባዕተ ዓመት መምስ ዝመጸ መንግስቲ ይቀያየር እዩ። እዚ ክንብል ከለና ንርእሰን ብዙሕ ሃዋኺ ዞባ ዘብለንን ቁጠባ ማሕበራውን ጸጥታን ሽግር ዘይብለን ሙዃነን ኣብ ግምት ብምእታውዩ። ኣብ ከም ሃገራና ዘላቶ ስትራተጂካውን ሃዊኺ ጂኦ ፖሊቲካዊ ኣከባብን ኮንካ ጥራሕ ዘይኮነ ወግሐ ጸብሐ ዕልዋ መንግስቲ ዝካደለን ሃገራት ተኸቢብካን ኣብ ርእሲኡ ሃገራዊ ህንጸት ዘይወደኣ ዓዲ ቀቢላታትን ፉሩሳትን ሃገራት ተዋሲንካ ንፍርቂ ዘመን ዘኣክል ሓደ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኢና ንኽተል ዝብል ወግዒ ጣቁኡ ኣደባባይ ዝወጸ ወግዒ ኣንድነትዩ።
ኣንጻራዊ መርገጺ ህዝባዊ ሰራዊት
ህዝባዊ ሰራዊትና ኣብቲ ሰልፊ ወይ ኣብቲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝኾነ ወኪል ኣይነበሮን። ህዝባዊ ሰራዊትና ብረኻ ዝወጸ ንርስቱ፡ ቋንቋ ትግርኛ፡ ንታሪኹን ከውሕስን ኒምባጠርያዊት ኢትዮጵያ በቲንካ መሰር ርእሰ ውሳነ ናይ ኣቦታቱ ሃገረ መንግስቲ ትግርኛ ንምትካልዩ ነይሩ ዕላሙኡ። እምበር ከምዚ ወዲ ኣምንዝራ እሰያስን ሰዓብቱ ደቂ ምስለንን ዝብልዎ ንሃጸይነትን ጽዮንነትን ከፍርስ ወይ ንኢትዮጵያ ከይትበታተንን ብስም ዞባዊ ምርግጋእ ዘጽንተና ዘሎ ናይ እሰያስ ዕላማዩ።
ስለዚ እሰያስ ብዝዕባ ኤርትራ ዝኮነ ቁጠባዊ ይኩን ፖለቲካዊ ራእን መደብን ዘይብሉ ማሕበረ ቁጠባዊ ኣተዓባዩኡን ፡ ጽልዋ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ናይ ኣቡኡን ሓውቦታቱን ከም ኣምሓሩ፡ ስነ ልቦኑኡ ኣምሓራዊ ፡ምስ ዓባዩኡ ኣብ እንዳ ሜስ ዝዓበየ ወዲ ኣመንዝራን ከም ሙዃኑ መጠን ልዕሊ ዝኾነ ነገር እሰያስ ድልየትን ዓቕምን የብሉን ብዛዕባ ኤርትራ ክሓስብን ቁጠባዊ ርግኣት ከስፍንን።
