ርእይቶ
ጆን ሎክን ሓርነታዊ ህንጸትን
ናይ ጆን ሎክ መንግስታዊ ክልሰሓሳብ ኣብ ሰናይ ፍቓድ (consent) ጥራይ ዝተመስረት ኢዩ።

Opinion Contributor
ሃብቶም ክፍለጽዮን
Senior Contributing Editor

ኣመሪካ ናብ 2ይ ኲናት ዓለም ብወግዒ ቅድሚ ምእታዋ ኣብ ነሓሰ 1941 ፕረ. ፍ. ሩሰቨልት ምስ መዘንኡ ዊ. ቸርቺል ኣትላንቲክ ቻርተር ተፈራረሙ። እዚ ቻርተር መርገጺ ሃገራት ምዕራብ ዝሓዘን ድሕሪ እቲ ኲናት ኩሎም ህዝብታት ዓለም ገዛእ ርእሶም ዝመርሕሉ ሃገረ-መንግስታት ናይ ምቛም መሰሎም ክሕሎ ከምዘለዎ ዝገልጽን ኢዩ። እዚ ነቲ ከኒሻዊ ህንጸተ ሃገራት ዝተጸወዐ መትከል ዘውሕስ ውዕል ኢዩ ኔሩ። እቲ ኲናት ክሳብ ዝዛዘም ከኣ ክልቲኦም መራሕቲ ደጋጊሞም ህብታት ናይ ባዕሎም ሃገረ-መንግስቲ ንኸየቁሙ ዕንቅፋት ዝኮኑ ከኣ ናዚ ጀርመንን ዲሳዊት ሶቭየትን ምኳነን ይገልጹ ነበሩ።
እንተኮነ ግን እቲ ድሕሪ ውድቀት ናዚ፡ ቀጺሉ ውን ድሕሪ ውድቀት ሶቭየት ዝመጸ ምዕቃብ ከኒሻዊ ህንጸት ሃገር ኣየውሓሰን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ርእሰ-ውሳኔ ህዝብታትን ልኡላውነት ሃገራትን ከም ዕንቅፋ ንሰላምን ጠንቂ ግርጭታትን ክረአ ጀመረ። መተካእታ ናይዚ ከኣ ክድለ ተጀመረ። ኣይጸናሓን ሃገራት ኤውሮጳ ሕብረት ክገብራን ኣመርካ እውን ምስቲ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ክትተሓሓዝ ጀመረት። እዚ ሓድሽ መትከል ከኣ ሓርነታዊ (ሊበራላዊ) ህንጸት ሃገራት ምዕራብ (liberal construction of the west) ተሰምየ።
ንምዃኑ፡ እቲ ንከንሻዊ ህንጸት ሃግራት ምዕራብ (Protestant construction) ዝተከአ ሓርነታዊ ህንጸት (liberal construction) እንታይ ኢዩ፧
ኣብ ዝቐደመ ጽሑፍ፡ ከነሻዊ ህንጸት ክልተ መትከላት ከም ዘለውዎ፡ ንሶም ከኣ ሃገራዊ ናጽነትን (ልኡላውነት)ን ዝተሓተ ሞራላዊ መዐቀኒ ሕጋዊ መንግስትን ምኳኖም ተገሊጹ ኔሩ። ብመንጽሩ፡ ሊበራላዊ ህንጸት “ውልቃዊ ናጽነት” ትብል እንኮ መትከል ጥራይ ኣለዎ። መሰረት ናይዚ ሓሳብ ከኣ ካብ ናይ ጆን ሎክ Second Treatise of Government እትብል መጽሓፍ ይብገስ። ኣብዛ መጽሓፍ “ኩሉ ውልቀ ሰብ ፍጹም ናጽነት፡ ፍጹም ማዕርነት ዘለዎም፡ ውሕስነት ሂወቶምን ንብረቶምንን ንኽሕልዉ ከኣ ብፍቓዶም ጥራይ ብዝፈጥርዎ ሕብረት (መንግስቲ) ይዋሓስ” ዝብል መትከል ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ።
ጆን ሎክ ውላድ/ፍረ ናይ ከኒሻዊ ህንጸት ስለዝነበረ ሓሳቡ ነቲ ህንጸት ንምድልዳል ኢዩ ዝነበረ። ኮይኑ እቲ ውጽኢት ናይ ፍልስፍንኡ ከምኡ ኣይጸነሐን። “ሰናይ ፍቓድ“ (consent) ክብል እንከሎ ሓደ ውልቀ ሰብ ኣባል ናይ ዝኾነ ጥርናፈ ንኽኸውን ብፍቓዱ ጥራይ፡ ግዴትኡ ዝፍጽም ውን ብፍቓዱ ጥራይ ማለት ኢዩ። እንተኮነ እዚ ካብ መዐሸዊ ውልቀ ሳባት ዝሓልፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቶም ኣብ ሂወት እንገብሮም ኣገደስቲ ምርጫታት ብናይ ባዕልና ውሳኔታት (ወይ ፍቓድ) ጥራይ ከምዝድረኹ ስለዝኣምን። ኣብ ዝጭበጥ ክውንነታዊ ናይ ፖለቲካ ዓለም ግን ሓባራዊ እምነት (Mutual loyalty) ንውልቀሰባት ኣብ ስድራ፡ ቀቢላን ብሄርን (ሃገርን) ከምዝቕወዱ ይገብሮም። ካብ ሓደ ጥርናፈ (ስድራ፡ ቀቢላ ወይ ብሄር) ስለዝተወለድካ ጥራይ ገለ ሃይማኖታውን ባህላውን ሓላፍነታት ከም እትስከም ትኸውን። ስለዚ እምበር ጆን ሎክ ዝዘንገዖ ነገር እንተልዩ፡ ገለ ብውርሻ ወይ ብምርዓም እንፈጥሮም ጥርናፈታት ዘሰክሙና ሓላፍነታት ፍቓድና ስለዝኮነ ዝህልዉ ወይ ውን ፍቓድና ስለዘይተሓወሶ ዝጠፍኡ ዘይምኳኖም ኢዩ። ንኣብነት ንሓንቲ ስድራ፡ ቀቢላ ወይ ሃገር ዘጋጥማ ብደሆ ንኩሉ ኣባል ብማዕረ ሓላፍነት ዘሰክምን ናይ ሓባር መኸተ ከምዝጠልብን ርዱእ ኢዩ። ጆን ሎክ ግን ነዚ ጥርናፈታት/ ሕብረታት ዝጠምር ሓባራዊ እምነት ዘለዎ ተራ ኣቓሊሉ ብምርኣይ፡ ኩሉ ነገር “ንሰናይ ፍቓድ” ጥራይ ስለዝሃቦ ነቲ ከድልድሎ ዝተበገሰ ከኒሻዊ ህንጸት ዝጻረር ሊበራል ህንጸት ንኽምስረት ብዘይመደቡ ሓጊዙ።
ስድራ ከም ኣብነት እንተወሲድና ኣብ ግዜ ሓደጋ ወይ ኣብ ሕማቕ ግዜ ኣሕዋት ውልቃዊ ጉዳያቶም ኣወንዚፎም ክተሓጋገዙ ግዴታ ኣለዎም። ከምኡ እውን ኣቦሓጎታና ንደቂ ደቆም፡ ንሕና እውን ንኣቦሓጎታትና ናይ ምግልጋል ግዴታ ኣለና። ዝኮነ ሰብ ብድሌቱ ወይ ብፍቓዱ ኣይኮነን ኣባል ሓንቲ ስድራ ዝኸውንን ነታ ስድራ ከገልግል ግዴታ ዝህልዎን። ብመሰረት second treatise ናይ ጆን ሎክ መጽሓፍ፡ እቲ ነዛ ስድራ ክትምስረትን ክትቅጽልን ዝገብር መጥመሪ መግለጺ ክዋሃቦ ኣይክእልን ኢዩ።
ናይ ጆን ሎክ መንግስታዊ ክልሰሓሳብ ኣብ ሰናይ ፍቓድ (consent) ጥራይ ዝተመስረት ኢዩ። ንኣፈጣጥራ መንግስቲ ክገልጾ እንከሎ “ውልቀሰባት ኣብ ሂወቶምን ንብረቶምን ውሕስነት ምስዘይረኽቡ፡ ብፍቓዶም ነዚ ረብሓ እዚ ዘውሕስ ጥርናፈ ይፈጥሩ” ይብል። ኣብዛ ናይ ክውንነት ዓለም ግን ሃገራት (~ ብሄራት) ብሓባራዊ እምነት (mutual loyalty) ዝተጣመሩ ማሕበረሰብ ኮይኖም ካብ ካልእ ፍልይ ዝበለ ናይ ባዕሎም ልምድታት (ባህሊ) ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዘሰጋግሩ፡ ሓባራዊ ታሪኻዊ ተዘክሮ ዝውንኑ፡ ናይ ሓባር ቋንቋን ዛንታን ዘለዎም፡ ናትና ኢሎም ዝኾርዕሉን ዝንየትሉን መጻኢኦም ዝዕይርሉን ናይ ሓባር እምነትን መሬትን ዝውንኑ ኢዮም። እዚ ነዞም ዝተጠቕሱ ሃገራዊ ክብርታት ዘለና ፍቕርን ምትእስሳርን ሓባራዊ እምነትን ኢዩ ንሃገርና ከነገልግልን ክንስዋእን ዝገብረና። እዚ ከኣ ዓቕሚ ኣዳም ከይበጻሕና ከይተረፈ ኢዩ ናብ ልብና ክኣቱ ዝጅምር። ብኣንጻር ክልሰሓሳብ ናይ ጆን ሎክ፡ ንሂወትናን ንንብረትናን ኢልና ዘይኮነስ ወረ ኣብ ገሊኡ ግዜስ ሂወትናን ንብረትናን ወፊና (ከፊልና) ኢና ንህዝብናን ሃገትናን እነገልግል። ኣብ ክውንነት ብፍልስፍና ጆን ሎክ ሃገር ንምንታይን ብኸመይን መንግስቲ ትተክል፡ ዜጋታት ከ ብከመይ ግዴታኦም ይዋጽኡ ብግቡእ ክትርዳእ ኣሸጋሪ ኢዩ።
ፖለቲካዊ ሂወት ናብ ናይ ውልቀሰባት (individual) ምምዕባል ሂወትን ንብረትን ብምውራድ፡ ጆን ሎክ ከም ሃገረ-መንግስቲ፡ ማሕበረሰብ (ብሄራት፡ ቀቢላታት…)፡ ስድራ፡ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዝኣመሰሉ ኦሪታውያንን ክርስትያናውን (ከኒሻዊ) ትካላት ኣገዳስነት ከምዘይህልዎም ጌርዎም። እዞም ትካላት እዚኣቶም ኢዮም ንሓንቲ ብሄር (ሃገር) ዝጠምርዋን፡ ናይ ሓባር ዕላማን ካብ ካልኦት ዝፈልይዋ ፍሉጥ ዶባት ዘለዋ መሬትን ክውንኑ ዝገብርዋ። ንሓደ ብዘይካ ንሂወቱን ንብረቱን ንካልእ ፋዕራ ዘይገብር ሰብ ብዘይካ ነቶም ብፍታዉ ዝቐርቦም ንኻልእ ከገልግል ግዴታ ዘየብሉን ሰብ፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ሃገራውያን ትካላት ኣይግደሰሎምን። በዚ ምኽንያት ፍልስፍና ጆንሎክ ንከኒሻዊ ህንጸት ሃገራውነት የዕንይዎ ኢዩ። ካብዚ ተበጊሱ ከኣ ናይ ዓባይ-ብርጣንያ በዓል ስልጣንን ፍላስፋን ዝነበረ ኤድሞንድ በርክ፡ ንSecond Treatise (መጽሓፍ ጆን ሎክ) ብቑጠዐ “ካብ ኩሎም ዝተጻሕፉ መጻሓፍቲ እታ ዝኸፈአት መጽሓፍ” ክሳብ ምባል ዝበጽሐ።
እንተኮነ ግን እቲ መሰረታዊ ጉድለት ናይ ጆን ሎክ ብቡዙሓት ከም ጸገም ኣይተራእየን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ብብዙሓት ምዕራባውያን ልሂኻን ክሳብ ሕጂ ትውደስ ኢያ ዘላ። ከም መመላእታ ነዛ መጽሓፍ “Social Contract” ብ ሩሶ (1762)፡ “Perpetual Peace” ብካንት(1795)፡ “Atlas Shrugged” ብኣይን ራንድ (1957)፡ “ A Theory of Justice” ብ ጆን ራውልስ (1972) ተኸታቲለን ብምስዓብ፡ ነቲ ናይ ጆን ሎክ ሕልማዊት-ዓለም ንምግሃድ ጻዕርታት ተኻየደ።
ብመሰረት መትከላት ሊበራላዊ ህንጻት ኣብ ሞንጎ ሃገራት ንዘሎ ዶባት ምኽባር ኣይከኣልን። ብኣንጻሩ ብመሰረት ኦሪታዊን ከንሻውን ህንጸተ ሃገራት ግን ውሕስነት ሂወትን ንብረትን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ንዘሎ ዶባት ብግቡእ ብምኽባር ዝያዳ ከምዝወሓስ ይእመን። ሎክ መንግስቲ ብፍቓድ ናይ ሂወቶምን ንብረቶምን ውሕስነት ክሕልዉ ብዝደልዩ ውልቀሰባት ከም እትቐውም ብምሕሳብ፡ ነቲ ዝቖመት መንግስቲ ዶባት ከምዘድልያ ግን ኣይኣመነን። “Mankind are one community” ማለት “ሰባት ሓደ ኮሙኒቲ (ሕብረተሰብ) ኢዮም” ብምባል እቲ ኣብ ሞንጎኦም ዝፍጠር ዶባት ከኣ ውጽኢት ናይ ብልሽውናን ክፋእን ሰባት ምኩኑ ኣብ መጻሕቱ ኣስፊርዎ ኣሎ። ንሓደ ካብ ብልሽውናን ክፋእን ወጽዩ ብምኽንያት ዝኣምን ሕብረተሰብ ፈጺሙ ሃገራዊ ዶባት ኣየድልዮን ብምባል ደረዖ።
ሊበራውነት ካብ ኦሪታውን ከነሻውን መሰረቱ ተፋቲሑ ኣንጻር ሃገራውነት ዝኮነ ባህርያት ኣጥረየ። ኩሉ ሰብ ብማዕረ ሂወቱን ንብረቱን ክወሓሰሉ ሰለዝደሊ ካብ ሊበራል ፖለቲካ ወጻኢ ዝኮነ ሃይማኖታዊ ልምዲ ይኩን ሃገር ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኮነን ተባህለ። ልኡላውነት ሃገራት ይኩን ስምረት ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ብዋጋ ሂወትን ንብረትን ውልቀሰባት እንተኮይኑ፡ ሃገር ይኩን ስምረት ገደል ይእቶ ክሳብ ምባል ተበጽሐ።
Ludwig von Mises ዝበሃል ካብቶም ኣብ መጀመርያ 20 ክ/ዘ ዝነበሩ ሊበራል ፍላስፋታት ኮይኑ “ሓደ ሓያል ዓለማዊ መንግስቲ ንምፍጣር እተን ዘለዋ ሃገረ-መንግስታት ክብጀዋ ከምዘለወን” ኣብ መጽሓፍ ወቂሩ ሞጎተ። ንዕኡ ስዒቡ Friedrich Hayek እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሊበራል ሓሳቢ ናይ ዝሓለፈ ዘበን ዝብል ክብሪ ዝተዋህቦ ፍላስፋ፡ “ጉዕዞ ሓርነት ደቂ ሰብ ዓለምለኻዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዘይ ዝኮነ ዶብ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ብምግባር ጥራይ ኢዩ ዝዋሓስ” ክብል ደገፎ። ብዙሓት ልሂቓንን ብዪኒቨርሲታት ዝሓለፉ ፖለቲኸኛታትን ሃገራት ምዕራብ፡ ነዚ ጆን ሎክ ዘበገሶ ሊበራላዊ ኣድማሳዊ ኣጠማምታ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ፍርዳውን መዳያት ከም ሓደ መተካእታ ዘይርከቦ ቅዱስ-መትከል ጌሮም ኢዮም ሒዘሞ ጸኒሖም።
ነዚ ሊበራላዊ ኣድማሳውነት ንምስፍሕፋሕ ዝተወስዱ ስራሓት ንምግላጽ፡
ሀ/ፖለቲካዊ ፕሮጀክት ንስምረት ኤውሮጳ
ለ/ገደብ ዘየብሉ ዝርገሐ ነጻ ዕዳጋታት
ሐ/ነጻ ፍልሰትን ስደትን ህዝብታት
መ/ንትካላት ናብ ዓለምለኻውያን ኮርፖረሽናት ብምቕያር
ሰ/ንሃገራት ዓለምለካዊ ሕግታት ምስግዳድ
ረ/ብNGO ጌርካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ምትእትታው፡ዓለምለኻዊ ቤት ፍርድን ካልኦት ትካላት UNን፡ዓለምለኻውያንን ዩኒቨርሲታትን ፖሊሲታትን
ክሳብ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እዚ ሓሳብ እዚ ኢዩ ንዓለምና ዓብሊልዋ ጽኒሑ። እንተኮነ ሕጂ ነገራት ይቕየሩ ኢዮም ዘለዉ። ሊበራላዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ክልሰሓሳባት ይኩኑ ዓለምለካዊ ሕግታት ናይ ብዙሓት ዓቃባውያንን ክውንነታውያንን ፖለቲኸኛታት ተቓውሞ ክገጥሞ ጅሚሩ ኣሎ። ከም መርኣያ ናይዚ ከኣ ናይ ዓባይ ብርጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምውጻእ (Brexit)፡ ናይ ፕረ. ትራምፕ 2 ግዜ ናብ ስልጣን ምምጻእ፡ ኣብ እስራኤል፡ ኣርጀንቲና፡ ጥልያን፡ ሃንጋሪ፡ ፖላንድን ካልኦትን ሃገራትን ሃገራውያን-ዓቃባውያን መራሕቲ ክምረጹ ጌሩ ኣሎ። ኣብተን ንኣድማሳውነት ከም መንኮርኮር ኮይነን ከሽከርክረኦ ዝጸንሓ ሃገራት ምዕራብ ከይተረፈ ብዙሓት ሃገራውያን-ዓቃባውያን ውዱባት ብዙሕ ተቐባልነት ክረኽባ ንዕዘብ ኣለና።
ከም ተወሳኺ ብኣንጻር ልኡላውያን ሃገረ-መንግስታት፡ ኣብ ኣድማሳውነት ዝኣምና ካብ ናይ ሎክ ሊበራላዊ ህንጸት ወጻኢ ዝኾና ማርክሳውያን ኣድማሳውያን ሃገራት ከም ሃገርና ኤርትራ ዝኣመሰላ ንዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ኤሽያን ላቲን ኣመሪካን ኣለዋ። እስላማውያን ንጉሳውያን ሃገራት ዓረብ ውን ኣለዋ።
ብሕጽር ዝበለ መግለጺ፡ ኣብ 3 ክፋላት ብውዕል ወስትፈልያ ኣቢለን ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ካብቲ ዝነበረ ካቶሊካዊ ኣድማሳውነት ክወጻ ከምዝጀመራ፡ ዝተረፋ ከኣ ብኸኒሻዊ ህንጸት ሃገራት ምዕራብ ብዝፍለጥ ኣቢለን ልኡላውያን ሃገራት ክኾና ከምዝኸኣላ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ከኣ ዓለምና ተመሊሳ ሊበራላዊ ህንጸተ ዓለም ብዝብል መትከል ንልኡላውነት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ብምእታው ናብ ኣድማሳውነት ተመሊሳ ከምዝጸንሐት ካብ መጽሓፍ ዮራም ሃዞኒ ምርኩስ ብምግባር ተርጉመልኩም ኣለኹ።
