ትንተነ
ዮሃና፣ ርሑስ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነና!
ተጋደልቲ ኣብ እዋን ስርሒት ፈንቅል ንወተሃደራት ሰራዊት ደርጊ ሲዒሮም፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እንዳ ማረኽዎም።
Agazian News

ሓርነታዊ ቃልሲና፣ ጅግንነታውን ሰዓራይን እዩ ነይሩ፣ እንተኾነ ግን፣ እቲ ብልሹውን ፈራሕን ኢሳያስ ኣፍወርቂ ነቶም ጀጋኑ ተጋደልቲ ጠሊሙ፣ እቲ ዓወት ናብ ስቓይ፡ እቲ ናጽነት ድማ ናብ ጭቆና ቀይርዎ። እቲ ተስፋ ግን፣ እዚ ሓድሽ መንእሰይ ወለዶ ግን፣ ነቲ ራህዋናን ክብርናን ንምምላስ ድሉው እዩ።
ቅድሚ 35 ዓመት፡ ብ24 ግንቦት 1991፡ ድሕሪ ናይ ኣማኢት ዓመታት ቃልሲ ኣንጻር እስላማውያን ጅሃዳውያን ወረርቲ፡ መግዛእቲ ኤውሮጳ፡ ከምኡ’ውን ሃጸያዊ ዕብለላ ኢትዮጵያ፡ ናጽነትና ረኺብና፡ ንኤርትራ፡ ዘይወግዓዊት ሃገረ-ሃገር ብሔረ ትግርኛ ገርናያ።
ሎሚ መበል 35 ላኣላውነትና ዘረጋገጽናሉ ዕለት ኣብ እነብዕለሉ ዘለና እዋን፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ነቲ ቃልሲ ኣብ ዝባኖም ዝተሰከሙ ወለዶ ተጋደልቲ፣ ብኹርዓትን ምስጋናን፣ ርእስና ድንን ኣቢልና ነመስግኖም። እቶም ኣብ ድፋዓት ሳሕል ዝዓረዱ ተጋደልቲ፣ (መንእሰያት ትግርኛ) ተራ ደቂ ተባዕትዮ ወይ ደቂ ኣንስትዮ ኣይነበሩን። ፍጹም ስነ-ስርዓት፣ ፍሉይ ተጻዋርነት፡ ሓያል ዓቕሚን ክትኣምኖ ዘጸግም ቆራጽነትን ዝነበሮም ተጋደልቲ እዮም።
ተጋደልቲ ኣብ እዋን ስርሒት ፈንቅል ንወተሃደራት ሰራዊት ደርጊ ሲዒሮም፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እንዳ ማረኽዎም።
ብዙሓት ኣህዛብ ንርእሰ-ውሳነን ናጽነትን ተቓሊሶምን ይቃለሱን እዮም። ኩሎም ኣይተዓወቱን። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ናትና ከቢድ ኩነታት ዝተቓለሱ ድማ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ተኸታተልቲ ስርዓትት ኢትዮጲያ፣ ብናይ ምብራቕን ምዕራብን ልዕለ ሓያላን ሃገራት ዝዓጠቀ፣ ዝተመልመለን ዝተመወለን እዩ ነይሩ። ምስ ኹሉ ግን፣ ሰራዉት ኢትዮጲያ፣ ብህዝባዊ ግንባር፣ በቲ ናይ ትግርኛ ሃገራዊ ሰራዊት፣ ብመስዋእቲ፣ ብብቕዓት፣ ብውደባ፣ ብዘይስበር ቆራጽነት ተሳዒሩ ካብ ሃገርና ተባሪሩ።
እቲ ሓርነታዊ ቃልሲና፣ ብደምን መስዋእትን ኣያታትና፣ ልኡላውነትና ኣረጋጊጽና። መሬትና፡ ታሪኽና፡ ታቦትና፡ ቋንቋና ሓራ ወጺኡ። ጀጋኑ ተጋደልቲና፣ ኣብ እምባታትን ኣኽራናትን ሳሕል፣ ንጸላእቲ ህላወና ሰባቢሮም፣ ተሳዒሮም ከም ዝነብዑ ገይሮሞም።
ኣስመራ ብ24 ግንቦት 1991፡ ተጋደልቲ ናብታ ከተማ ምስ ኣተወት፡ ህዝቢ ብሓጎስ እንዳነጠረ ተጋደልቲ እንዳተቀበለ።
ሎሚ ግን ድሕሪ 35 ዓመት ናጽነት፡ እቶም ንጸላኢ ዘንብዑ ጀጋኑ ተጋደልቲ፣ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ንባዕሎም ይነብዑ ኣልዉ።
እቶም ምእንቲ መንነትናን ክብረትናን፣ ምእንቲ መሬትና፣ ቋንቋና፣ ታቦታን ታርኽናን ኢሎም፣ ሕልሞም፣ ባህግታቶም፣ ንእስነቶምን ህይወቶምን ዝሰውኡ ጀጋኑ ተጋደልቲ፣ ሕጂ ብጻይና ኢሎም ዝኣመነዎ፣ ናይ ሎሚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተረሲዖም፣ ብስቕታ ብድኽነትን ብሕማን እንዳተሳቀዩ ይሞቱ ኣለዉ።
እቶም ዝለዓለ ተስፋን ባህግን ናይ ክብረትን ናጽነትን ዘለዎ መጻኢ ዝተሰከሙ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ሎሚ ኣብ ኣዝዩ ክትገልጾ ዘጸግም ድኽነት፣ ብዝተፈላለዩ ሕማማት እንዳተሳቀዩ፣ ተዋሪዶም ይነብሩ ኣለዉ። እቲ ከውሕስዎ ዝተቓለሱሉ ክብሪ፣ ንባዕሎም ተመንጢሎም። ሎሚ ግቡእ ደሞዝ የብሎምን፣ ጡረታ የብሎምን፣ መንበሪ ገዛ የብሎምን፣ ኣጎልጉሎት ጥዕና የብሎም፣ ዝኾነ ደገፍ የብሎምን — ዋላ ሓንቲ።
እቶም ንናጽነት ዝተሰውኡ ድማ — ወለዶም፡ እቶም ኣዝዮም ውሑዳት ስጋብ ሎሚ ብህይወት ክጸንሑ ዕድል ዝገበሩ፣ ሎሚ ሃገርና ወዲቃትሉ ዛላ ኩነታት ንምዕዛብ ዝበቅዑ፡ ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ እቲ ሰላሕታዊ ምጽናት ህዝቢ ትግርኛን ዕንወት ናይ’ታ ደቆም ዝተሰወኡላ ሃገርን ይዕዘቡ ኣለዉ። ኣንስቲ ስውኣት ደቆምን ካኣ፣ መወዳእታ ዘይብሉ ሓዘንን ፈጺሙ ዘይቃለል ሽግርን ተሰኪሞም ብስቕታ ብሕሱም ድኽነትን ቋንዛን እንዳተሳቀዩ ይነብሩ ኣለዉ።
ድሕሪ 35 ዓመት ናጽነትና እውን እንተኾነ፡ ንስድራቤት ሰውኣት ንምሕብሓብ ተባሂሉ ዝተመስረተ ዝኾነ ሃገራዊ ፈንድ የለን። ዝኾነ ክብረቶም ዝሕሉ ዘላቒ መፍትሒ የለን፣ ዝኾነ ውሑስ ደገፍ የለን፣ ካልእ ይትረፍ፣ ንኽብደት መስዋእቶም ዝምጥን፣ ዝኾነ ኣፍልጦ የለን። ኣብ ሓገዝ ናይ ተሰዲዶም ዝነብሩ ስደተኛታት ሓገዝ እይም ወዲቆም። እቲ መንግስቲ ዝኾነ ነገር ኣይገበረሎምን፣ ብኣንጻሩ፣ ኣሕሲሩ፣ ንዘሕስሩ ሂብዎም።
መስዋእቲ ገዳይም ተጋደልቲ ተጠሊሙ እዩ። ኣገልግሎቶም ተጠሊሙ እዩ። ሕልሞምን ባህግታቶምን ተጠሊሙ እዩ። በቲ ብጻይና ኢሎም ዝኣመነዎ፣ ፍጽም ዘይእመን፣ ፍጽም ብቅዓት ዘይብሉ፣ ኩሉ ነገር ብፍርሒ ናይ ስልጣኑ ዝሪኦ፣ ሓደ ትሩፋ ውልቀ መላኺ ተጠሊሙ እዩ።
ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ን35 ዓመታት ብባርነአት ዝገዝአ ውልቀ መላኺ፡ ንተጋደልቲ ጠሊሙ- ንዓወት ናብ ስቓይ፡ ናጽነት ድማ ናብ ጭቆና ዝቀየረ።
ታሪኽ ህይወት ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ዓንደጽዮን ንርአ።
ተስፋይ ወዲ 19 ዓመቱ፣ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተጸንቢሩ። ክሳብ ናጽነት ን14 ዓመታት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ ተቓሊሱ። ኣብ ዝተፈላለየ ውግኣት ኣንጻር ሰራዊት ደርጊ ተሳቲፉ። ከም ኩሎም ተጋደልቲ፣ መዓልታዊ ውግእ፣ ድብዳብን መስዋእቲን ተጻዊሩ፣ ካብ መስዋእቲ ዲሒኑ፣ ናጽነት ኮይኑ፣ ዓዲ ኣትዩ። ዕድለኛ ኮይኑ፣ ብህይወት ተሩፉ፣ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ግንቦት 24, 1991 — ቅድሚ 35 ዓመት -ብዓይኑ ክርኢን ክምስክርን በቂዑ።
ብዙሓት ተጋደልቲ ብጾቱ ግን ኣይተመልሱን።
ብዙሓት ካብቶም ዝተሰዉኡ ተጋደልቲ ትሕቲ 20 መንእሰያት እዮም ነይሮም። ክምርዓዉ፡ ስድራቤት ክምስርቱ፣ ውላድ ክወልዱ ዕድል ዘይረከቡ። እቶም መንእሰያት ተጋደልቲ ግን ሕልሚ ነይርዎም። ባህጊ ነይርዎም።
ኤርትራ ወግዓዊት ሃገረ-መንግስ ትግርኛ ክትከውን ሓሊሞም። መሬቶም ካብ መግዛእቲ ኣምሓራ ነፃ ክኸውን ሓሊሞምን ተዋጊኦምን። ቋንቋን ግዕዝ ወግዓዊ ቋንቋ ሃገርና ክኸውን ሓሊሞም። ኣብ ሃገርና ብኦሪታዊ ክብርታና፣ ብኸብሪ ክነብር ሓሊሞም። ታሪኽና ክምለስ ሓሊሞም። ዓድና ኢንዱስትራዊት ኮይና፣ ከቲማ፣ ቁጠባ ሃኒጻ፣ ዓዲ ማዓርን ጸባን፣ ዓዲ ዘይነጽፍ ተስፋ፣ ገነት ኣብ ምድሪ ክትከውን፣ ህዝባ
።0ካኣ ብነጻነት ክነብረላ ቢሂጎም።
እቶም ተጋደልቲ ኣብ ናጻ ኤርትራ ማይ ጥራይ ዘይኮነ ጸባ ከይተረፈ ከም ማይ ብቧንቧ ንህዝቢ ክዕደል እዩ ይብሉ ነይሮም። እዚ ዝተጋነነ ሕልሚ ኣይነበረን — ድሕሪ ናይ ብዙሓት ወለዶታት ስቓይ፣ ኣዝዩ ሓያል ምልክትን መልእክትና ናይ ብልጽግና፣ ክብርን ተስፋን እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፣ ቃንዛ ናይ ሕሉፍ፣ ብዘይውዳእ ጸጋን ፍትሕን ናይ ዝትካእ ህይወት ዝገልጽ ራእይ እዩ ነይሩ።
ተስፋይ ካኣ፣ ናጽነትን ኩሉ ሕልምታትን ባህግታትን ናይቶም ዝተሰዉኡ ብጾቱ ክምስክር፡ ዝኽሮም ዓመት መጸት ተሰኪሙ፣ ብሂወት ጸኒሑ። ዳሕራይ እዋን፣ ሓደ መዓልቲ – ብተፈጥሮኣዊ ሞት ካብ’ዛ ዓለም ምስ ተፈልየ፣ ኣብ መንግስተ ሰማያት፣ ንብጾቱ፣ እታ ዝሓለምዋን ዝባሃግዋን ብልጽግቲ ኤርትራ ከም ዝረኣየ፡ መስዋእቶም ኣብ ህይወትን ተስፋን ደቂ ደቁ ክፍጸም ክርኢ ነዊሕ ዕድመ ከም ዝጸንሐ ክነግሮም ተተስፍዩ።
ኣብ እዋን ናጽነት ወዲ 33 ዓመት እዩ ነይሩ። ክልተ ኣሕዋቱ ኣብ ቃልሲ ተሰዊኦም እዮም። ምስናይዚ ግን ስድርኡ፣ እንተ ወሓደ ሓደ ካብ ንገድሊ ዝወጹ ደቆም ብህይወት ናብ ገዝኡ ስለ ዝተመልሰ፣ ገና ንነብሶም ከም ዕድለኛታት እዮም ቆጺሮማ። እቶም ሽዑ ኣብ መወዳእታ ሓምሳታት ዝነበሩ ወለዱ፡ ሓደ ቆልዓ ብምምላሱ ኣመስገኑ። ምኽንያቱ፣ ሰለስተ፡ ኣርባዕተ፡ ሓሙሽተ፡ ሽዱሽተ ከም’ውን ሸውዓተ ውላደን ከይተረፈ ዝሰኣና ስድራቤታት ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ።
ተስፋይ ተመርዕዩ። ኣብ 2028 ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድሚኡ ኣኺሉ፣ ካብ ሰራዊት፣ ብረት ከወርድ ብሃረርታ ዝጽበ ዘሎ ገዲም ተጋዳላይ እዩ። ክልተ ዓመት ጥራይ እዩ ተሪፍዎ ዘሎ። ብዓይኒ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ሞንጎ ኣብ ስልጣን ብጣዕሚ ምእራግን፣ ገዳይም ተጋደልቲ ካኣ ሰራዊት ብድኽነትን ሕማምን ምስቃይን ፍልልይ የብሉን። ናይ ኩነታቶም ዝኾነ ሓላፍነት ኣይስሞዖን።
ኣርባዕተ ቆልዑ ወሊዱ፣ ክልተ ኣወዳት፣ ክልተ ኣዋልድ። ን51 ዓመታት ገና ኣብ ሰራዊት ብረቱ ከይውረደ፣ ኣብ ኣገልግሎት እናሃለወ፣ ስድራቤት መስሪቱ፣ ብዘይ ደሞዝ፣ ብናይ ጁባ፣ ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ። ካብ’ቶም ኣብ ስደት ዝነብሩ ናይ ቀረባ ቤተ-ሰቡ ሓገዝ እንዳለመነ።
እታ ዝተቓለሰላ ኤርትራ ግን፣ ኣንጻር ናይ’ቲ ብጹቱን ባዕሉን ዝሓለመውን ዝባሃግዋን ዘይኮነ፣ ኢስየኣስ ኣፈወርቂ ብኣንጻሩ ቀይሩዋ።
ሂወቱ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ቦኽሪ ውላዱ ብስንኪ እቲ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ባርነት ክሃድም፣ ኣብ ምድረበዳ ሊብያ ብግብረሽበራውያን ተሓሪዱ ሞይቱ። ክልተ ኣዋልዱ ደቁ፣ ተመርዕየን፣ ሰብኡተን ኣብ’ቲ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣለዉ። ሰብኡተን፣ ዕድል እንተ ገይረን፣ ሓደ ግዜ ኣብ ክልተ ዓመት ይርእያ፣ ብድኽነት ይሳቀያ። እቲ ዝነኣሰ ውላዱ’ውን ገና ኣብ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት – ብዘይ ደሞዝ፡ ብዘይ ጡረታ፡ ሞያ ዘይብሉ፡ መንበሪ ገዛ ዘይብሉ፡ መጻኢኡ ዘይፍለጥ – ኣብ ከቢድ ድኽነትን ዘይርጉጽነትን ይነብር ኣሎ።
35 ዓመት ድሕሪ ነጻነት፣ ሂወት ጀጋኑ ገዳይም ተጋደልቲ እዚ እዩ። መከራ ኣቦ፣ መከራ ውሉድ ኮይኑ። ናይ ኣቦ ሕሰም፣ ድኽነት፣ ውርደት፣ ስቅያት፣ ብተመሳሳሊ ናብ ውላድ ሓሊፉ፣ ብዝኸፍአ መልክዑ። ሂወት ገዲም ተጋዳላይ እዚ እዩ። ንሕክምና፣ ኣብ እርጋኑ፣ ካብ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ወይ GoFundMe ክልምን ተገዲዱ፣ ድሕሪ ናይ ዕድመኡ ምሉእ መስዋእትን ኣገልግሎትን። ብኣንጻሩ፣ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ውሑዳት ኮራኹሩን ብምቾትን ብሓለፋን ይነብሩ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ፍጽም ብቕዓት ዘይብሉ፡ ብልሹውና መዳርግቲ ዘይብሉ፡ ኣዝዩ ፈራሕ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ሃገርና ፍጽም ኣነጺልዋ እዩ። ሃገርና ሎሚ፣ ደሪቃ፣ ቀረብ ማይ ዘይብላ፣ ጸልሚታ፣ ኤሌክትሪክ ዘይብላ፣ ዲሒራ፣ ኢንተርነት ዘይብላ፣ ዝኾነ ኣጎልጉሎት ጥዕና ዘይትህብ፣ ጥልያን ዝሰርሖም መግድታት ተደማሲሶም፣ እቲ ኣብ ሃገረ-ሰብ ሰረት ዝገበረ ሕርሻዊ ንጥፈታት፣ ዓድታት ጸኒተን፣ ተደምሲሱ ጥራሓ ኣትሪፍዋ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ፣ ሃገርና እታ ዝደሓረት፣ ዝደኸየትን ዝተነጸለትን ኮይና።
እዚ ኹሉ ስቃይ ድማ “ጽንዓት” ጸዊዕሞ።
እዝዩ ዘሕፍር ውርደት፣ ሕሱም ድኽነት፣ ዘይውዳእ ቃንዛ፣ መወዳእታ ዘይብሉ ስቓይ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ወለዶ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ህዝቢ ትግርኛን “ጽንዓት” ተባሂሉ ነዚ ናይ ነዊሕ እዋን ሕሱም ክውንነት ይሽፈን። ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ናጽነት ካኣ “ጽንዓትና ዋሕስና” ብዝብል ጭርሖ ምስማዩ ኣገራሚ ኣይኮነን።
ሕሱም መከራ፣ ስቅያትን ውርደትን ህዝብና ዋሕስ ምልኪ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ ኣሎ።
መወዳእታ ዘይብሉ ባርነትን ተስፋ ምቅራጽን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዋሕስ ምልኪ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ ኣሎ።
ሕሱም ድኽነት፣ ስቅያትን ውርደትን ገዳይም ተጋደልቲ ዋሕስ ምልኪ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ መበል 35 መዓልቲ ናጽነትና ግን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ትስፍዋት ኢና። ነቲ ኣረሜናዊ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ናይ ባርነት ስርዓቱን ንምእላይ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣዚና ቀሪብና ኢና።
ከም’ቲ ጀጋኑ ተጋደልቲ ኣብ ሳሕል ንሓያላት ጸላእቲ ዝሰዓሩ፡ እዚ መንእሰይ ወለዶ ድማ ንድኽነት፡ ፍርሒ፡ ምልኪ፡ ስርዓተ-ባርነት ናይ’ዚ መስዋእቲ ናይ ሓርነታዊ ወለዶ ዝጠለመ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ክስዕሮ እዩ።
ሃገርና ክንሃንጽ፡ ራህዋን ክብረትናን ክንመልስ ተዳሊና ኢና።
ናይ’ቶም ዝወደቑን ዝተረሰዑን ተጋደልቲ ሕልምን ባህግን በዚ መንእሰይ ወለዶ ክትግበር እዩ።
